ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ኤልሳቤጥ ስቫንተሰን፡ ድሕሪ’ዚ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዕዳጋ መሸጣ ኣክስዮን ዘጋጠመ ዓብዪ ምንቊልቋል፡ እቲ ኩነታት ንምግማቱ ኣሸጋሪ ምዃኑ ገሊጻ። እንተኾነ ግና ግዝያዊ ምቅይያራት ዕዳጋ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዝተራእየ ዓይነት ዕግርግርን ኣብ ቁጠባ ሽወደን ነባሪ ጽልዋ ክህልዎ ትጽቢት ከምዘይግበር እያ ትዛረብ። ብ ኮንጁን ክቱሪ ንስቲትዩት ዝፍለጥ ሃገራዊ ትካል ቁጠባዊ ምርምር፡ ማእከላይ ባንክ ሽወደን–ሪክስባንክ–ኣብቲ ንቕድሚት ዝምርሽ ዘሎ ቁጠባ ዝያዳ ምትእምማን ንምፍጣር ብዝቐልጠፈ ወለድ ከጉድል ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ’ሎ
እዚ እናኾነ ናብቲ ብቋንቋ ሽወደን ብ ”ክሮኖፎግደን” ዝፍለጥ በዓል መዚ ኣኽበርቲ ሕጊ ዝሰገረ ዕዳታት፡ ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብ 10 ቢልዮን ክሮነር ምውሳኹ ተሓቢሩ። እቶም ዝበዝሑ ዝወሰኹ ዕዳታት ምስ ሃልኪ ዝተኣሳሰሩ ኮይኖም፡ ከም ልቓሕ፡ ምምላስ ልቓሕ፡ ከምኡ’ውን ንኸም ብኢንተርነት ዝግበር ዕዳጋ ወይ ንበዓል ምዝገባ ዝኣመሰሉ ነገራት ዝግበር ከፊላዊ ምኽፋል ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ይሕብር። እዚ ድማ ናብ ማሕበራዊ ምግላልን ኣብ መወዳእታ ድማ ሕማማት ኣእምሮን ከስዕብ ከምዝኽእል ኣፈኛ በዓል መዚ ኣፈጻጽማ ውልቃዊ ፋይናንስ ዳቮር ቩሌታ ይዛረብ