ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ሽወደን ማርያ ማልመር ስቴነርጋርድ ኣብ ዙርያ ሕግታት ቪዛ ሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ምትሕብባር ክግበር ጻውዒት ኣቕሪባ። እቲ ናብ ኮሚሽን ኤውሮጳ ዝቐረበ ጠለብ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቶብያስ ቢልስትሮምን መዛኑኦም ሚኒስተራት ኖርዲክን እውን ኣብ ዝተኸተመ ደብዳበ እዩ ተተሓሒዙ ቀሪቡ ዘሎ። ነዚ ጻውዒት ክግበር ምኽንያት ዝኸውን ዘሎ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብዙሓት ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ፥ ብሕጋዊ መንገዲ ካብተን ብዘይ ቪዛ ናብቲ ዞባ ዘእትዋ ሃገራት ናብ ሃገራት ኖርዲክ ይውሕዙ ብምህላዎም እዩ ክትብል ማርያ ማለመ ስተነጋድ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።