ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ነቲ “ፍቓድ ምዝዋር ቱሪዝም” ዝበሃል ኣገባብ ደው ከብሎ ከም ዝደሊ ተገሊጹ። እዚ ኣገባብ
ሽወደናውያን ነበርቲ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኦም ብናይ ሕብረት ኤውሮጳ ንምልውዋጥ ናብ ወጻኢ
ሃገራት ዝገሹሉ ኣገባብ እዩ። ገለ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጒዳይ ምልውዋጥ ፍቓድ ምዝዋር ወጻኢ ውሱን ሕግታት እዩ
ዘለወን። በዚ ድማ እዚ ፍቓድ ሕብረት ኤውሮጳ ብቐሊሉ ብፍቓድ ሽወደን ክቕየሩ ይኽእል እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ኣቐድም
ኣቢላ ጸብጺባ ምንባራ ዝዝከር እዩ። ብመሰረት ሓድሽ ዳህሳስ ማዕከን ዜና TT፡ ኣመልከትቲ ፍቓዶም ቅድሚ ምቕያሩ ኣብ
ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ/EES ናይ ምዝዋር መኪና መርመራ ከም ዝሓለፉ ከረጋግጹ እቲ ምምሕዳር ሕጂ ድፍኢት ክገብር እዩ
እዚ እናኾነ እቲ ብቋንቋ ሽወደን “መእተዊ ስራሕ” ወይ etableringsjobb ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓድሽ ድጎማ ዝግበረሉ ምድብ
ስራሕ፡ ከምቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ቅልጡፍ ኣይኮነን ይበሃል ኣሎ። መንግስቲ ንልዕሊ 1000 ናይ ምትእትታው ስራሕ ገንዘብ መዲቡ
እኳ እንተነበረ፡ ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ ግን 13 ሰባት ጥራይ እዮም በቲ መደብ ስራሕ ክረኽቡ ክኢሎም ዘለዉ።
እቲ ድጎማ ኣብ ሽወደን ሓደስቲ ሰባትን ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑን ናብ ስራሕ ንምእታው ዝዓለመ እዩ።