መራሕቲ መንግስታት ኤውሮጳን መራሕቲ ሃገራትን ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ንሕብረት ኤውሮጳ ክመርሕዎ ዝደልዩ ሰለስተ ኣስማት ረቚሖም። ቀዳማይ ሚኒስተር ፖርቱጋል ነበር ኣንቶንዮ ኮስታ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ኮይኑ ክሰርሕ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢስቶንያ ካያ ካላስ ንላዕለዋይ ዕዮ ጉዳያት ወጻኢን ጸጥታን ተሓጽዮም ኣለዉ። እዚ እናኾነ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ከም ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ዝነበራ ተራ ክትቅጽል ተሓጽያ’ላ። ሕጂ ካላስን ቮን ደር ሌየንን ስርሖም ብባይቶ ኤውሮጳ ምጽዳቕ የድልዮ’ሎ።