መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን “ናይ ቀረባ ብጻየይ” ብምባል ናይ ልደት መልእኽቲ
ሰዲዱ። ኪም፡ ንፑቲን መበል 72 ዓመት ልደቱ እንቋዕ ሓጎሰካ ብምባል፡ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ናብ ሓድሽ ደረጃ ክብ ክብል
ድሌት ከም ዘለዎ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ርክብ ፒዮንግያንግን ሞስኮን ካብ ምጅማር ኲናት ዩክሬን ጀሚሩ እናዓሞቐ ምምጽኡ
ንሃገራት ምዕራብ ኣሻቒልዎም ኣሎ። ንሱ ሃገሩ ብኒዩክለራዊ ኣጽዋር ልዕለ ሓያል ንምግባር ስጉምትታት ከምዘቀላጥፍ ኣብቲ
ኣጋጣሚ ገሊጹ’ሎ። ኪም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ድሕሪ ምንኣድ፡ ፑቲን ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ፒዮንግያንግ ካብ
ዝገበሮ ዑደት ኣትሒዙ ክልቲአን ሃገራት “ዘይስዓራን ነበርቲን” ምዃነን ኣመስኪረን ኣለዋ ኢሉ’ሎ።
ንሰሜን ኮርያ ብወግዓዊ ስማ ዲሞክራስያዊት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ኮርያ ብምጥቃስ “ኣብ መንጎና ዝግበር ርክባት ን ዘለኣለማዊ
መሰረት ምሕዝነት ብዝበለጸ ንምድልዳል ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክገብር’ዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ መንጎ ሰሜን ኮርያን ሩስያን
ዘሎ ርክብ ንዓሰርተታት ዓመታት–
ካብ ስታሊንን ኪም ኢል-ሱንግን ክሳብ ናይ ሕጂ ኣቦሓጎ ኪም ዝበጽሕ እዩ። ሕብረት ሶቭየት ነበር ንሰሜን ኮርያ ኣብ መጀመርታ
ብኣጽዋርን ቴክኖሎጅን ትድግፋ ምንባራ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኣብ መንጎ ቻይናን ፒዮንግያንግ ምሉእ ምትእምማን ብዘይምህላዉ ምሉእ
ብምሉእ ናብ ቻይና ክትምርኮስ ከም ዘይትደሊ ኣዩ ዝግለጽ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ፑቲንን ኪምን ኣብ ልዕሊ ሓዲአን
“ጎነጽ” ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን፡ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ምዃኖም ቃል ኣትዮም እዮም። እዚ ምጥቃዕ ወይ ጎነጽ ከመይ ዝበለ
ብዛዕባ ምዃኑ ግና ዛጊት ኣየነጸርዎን። ኪም፡ ንሩስያ ኣብ ኲናት ዩክሬን ቁጠባውን ቴክኖሎጂካውን ሓገዝ ብምቕራብ ከም
ዝሓገዘት ክትክሰስ ጸኒሓ እያ። ሩስያ ኣብ ዩክሬን ሚሳይላት ሰሜን ኮርያ ከተዋፍር ከምዝጸንሐት ዝሕብሩ መርትዖታት እናወሰኹ
እዮም ዝመጹ ዘለዉ።
ብኻልእ ዜና—-እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዘይዕረፍቲ ደብዳብ ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን፡ ኣስቤስቶስ ዝተባህለ ቀታሊ ባእታ ኣብ
ልዕሊ ህዝቢ ይፍኖ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ኣስቤስቶስ ዝተባህለ ባእታ ሰብ ከይተንከፎ ምንም ጒድኣት ዘየብጽሕ እኳ እንተኾነ፥
ተበታቲኑ ናብ ከባቢ ኣየር ምስ ዝፍኖ ግና ካንሰር ከስዕብ ዝኽእል ባእታ ብምዃኑ ብዙሕ ሻቕላ ፈጢሩ’ሎ። ምኽንያትቱ
ኣስቤስቶስ ኣብ መብዛሕትኡ መዋቕራት ህንጻ ቓዛ ብብዝሒ እዩ ዝርከብ። ካብ ዓሚ ኣትሒዙ ዝቐጸለ ደብዳብ እስራኤል፡ ነዚ
ኣስቤስቶስ ዝተባህለ ባእታ ተሰብኢሩ ከም ሓርጭ ክብተን ይገብር ብምህላዉ ዘስተንፍስዎ ሰባት መንሽሮ ከስዕበሎም
ከምዝኽእል፥ ምናልባት ንዝቕጽል ዓሰርተታ ትዓመታት ሕሙም ካንሰር ኣብ ቓዛ ብብዝሒ ክረአ ከም ዝኽእል ኣተሓሳሲቦም
ኣለዉ።