መንግስትን ሰልፊ ዲሞክራትናን ሽወደን፡ ስሞም ዘይግለጽ መሰኻኽር ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ሽወደን ምስክርነት ክህቡ ክፍቀደሎም ዝብል እማመ ይደፍእሉ ምህላዎም ተገሊጹ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ፍሉያት ጉዳያት ጥራይ ዝውዕል ኮይኑ፡ ብቐንዱ ምስ ጕጅለታት ገበን ኣብ ዝተኣሳሰር ከቢድ ጥሕሰት ሕጊ ኣብ ዝምልከት ዝውዕል እዩ ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ጉናር ስትሮመር ኣተሓሳሲቡ’ሎ። እዚ ኣካታዒ እማመ ብብዙሓት ይንቀፍ ኣሎ፡፡ ጠበቓታት መከላኸሊ ቅድሚ መስቀላዊ መርመራ ምግባሮም ተኣማንነት መሰኻኽር ክግምግሙ ስለዘይክእሉ፡ ንልዕልና ሕጊ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ሰብ ምሞያ ሕጊ ካብቶም ነዚ እማመ ዝነቐፉ እዮም።