ኣብ ስከለፍተዮ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ኖርዝቮልት ክሰርሑ ዝጸንሑን ብምኽንያት ምጒዳል ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ስራሕ ናይ ምስኣን ሓደጋ ዘለዎምን ሰራሕተኛታት ኣመልኪቱ፥ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ህሉው ሕግታት ፍቓድ ስራሕ ዝኾነ ቅጽበታዊ ሕድገታት ክገብር ዘይምዃኑ ገሊጹ።
“ኩሉ ስራሕ ሓጋጊ ኣካል ግዜ ዝወስድ እዩ” ክብል ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ስከለፍተዮ ምብጻሕ ዝፈጸመ ሚኒስተር ስራሕን ውህደትን ማትስ ፐርሾን ኣተሓሳሲቡ። ማሕበር ኣይኤፍ ሜታል ብወገኑ፡ በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍራዪ ባትሪ ዝኣወጆ ምብራር ስራሕ መን’ዩ ዝያዳ ዝጽሎ ንምጥላል ምስ ኖርዝቮልት መዓልታዊ ይዘራረብ ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ።