መንግስቲ ንዝቕጽል ፋይናንሳዊ ዓመት ዘውጽኦ 60 ቢልዮን ክሮና ባጀት ከም ዝህልዎ ሎሚ ኣፍሊጡ። ካብ ቤተ መንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብዛዕባ ጒዳያት ባጀት እዋናዊ ሓበሬታ ዝሃበት ሚኒስተር ፋይናንስ ኤልሳቤጥ ስቫንተሰን፡ ኣብ ጒዳይ ናህሪ ዋጋታት ዝተገብረ ቃልሲ “ተዓዊቱ እዩ” ኢላ። ናይ ቀውዒ ባጀት ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ባይቶ ሽወደን–ሪክስዳግ– ክቐርብ እዩ።
Related Stories
September 18, 2024
September 18, 2024