ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጽሞቕ ንኡስ ቢራ ካብ ዝመጽእ ዓመት ዓመት ኣትሒኡ ብዝተሓተ ግብሪ ንመሸጣ ክቐርብ ምዃኑ መንግስቲን
ሰልፊ ደሞክራስን ሽወደን ዕላዊ ጌሩ። ንጸሞቕቲ ናእሽቱ ትካላት ቢራ ዝጸዓን ቀረጽ ኣልኮላዊ መስተ ክሳብ 50% ክጎድል ምዃኑ፡
እዚ ድማ ንኢንዱስትሪ ቢራ ውሽጢ ዓዲ ንምድጋፍን እዚ ጸኒሕ ባህሊ ክቕጽልን ዝዓለመ እዩ ክብል እቲ እማመ ወሲኹ
ገሊጹ’ሎ። እዞም ያታውያን ናእሽቱ ጸሞቕቲ ቢራ ዓመታዊ ኣስታት 3 ሚልዮን ሊትሮ ከም ዘዳልዉ እዩ ዝንገር።
“እዚ ውሳነ ክመጽእ ብዙሕ ጽዒርና ኢና” ትብል ኣደ መንበር ማሕበር ነጻ ሰራሕቲ ቢራ ሽወደን ኣይላ ያቩዛልፕ። ንሳ “እዚ
ጥንታዊ ባህሊ ተዓቂቡ ክቕጽል እንተኾይኑ ክንክን ከም ዘድልዮ ብሩህ እዩ። በዚ ድማ እዚ ውሳነ ነዚ ያታዊ ኢንዱስትሪ ህይወት
ክሰኹዓሉ እዩ፥ ንኸማይ ዝበሉ ወነንቲ ድማ ዝያዳ ሰራሕተኛታት ክንቆጽር ከኽእለና እዩ” ክትብል ወሲኻ ትገልጽ። ኣብዚ ሕጂ
እዋን ኣብ ሽወደን ልዕሊ 400 ያታውያን ጸሞቕቲ ቢራ ኣለዉ። እንተኾነ ግና ብምኽንያት ልዑል ክብሪ መነባብሮን ትሑት መሸጣን
ነቲ ሞያ ኣብ ናይ ምግዳፍ ሓደጋ ዝርከቡ እዮም። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤልሳቤጥ ስቫንሶን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ እዞም
ያታውያን ጸሞቕቲ ቢራ ኣብ መላእ ሽወደን ብዙሓት ሰባት ዝቖጽራ ምዃነን ድሕሪ ምዝኽኻር፥ እዚ ሕጂ ተጌሩ ዘሎ ትሑት ቀረጽ
ንኽዓብያ ድርኺት ክኾነን ከም ዝኽእል ገሊጻ’ላ።
ካብ ዜናታት ዕቃበ ባህልታት ከይወጻእና—ኣብ ደሴት ኦላንድ ዝርከብ ዑናታት ዕርዲ ኢስማንቶርፕ ኣካል ናይቲ ባህላዊ ቅርስታት
ካብ ብርሰት ንምሕላው ዝዓለመ ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ክኸውን እዩ ተባሂሉ። እዚ ዕርድታት ኣብ ሰሜን ኤውሮጳ ኣብቲ ፕሮጀክት
ክካተት ዝተገብረ እንኮ ቦታ እዩ። ኢንተርፖል ነቲ ከባቢ ንምክትታል ሳተላይታትን ሴንሰራትን ክጥቀም ምዃኑን፡ ንገለ ክፋል ናይቲ
ዑናታት ዝጎድእ ወይ ዝሰርቕ ሰብ ዘይምህላዉ ድማ ከረጋግጽ እዩ።