ደቂ ገለ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት 18 ዓመት ምስ መልኡ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዘለዎም ይንገሮም ከምቲ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ምጽብጻባ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ መንግስቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ መግለጺ ኣመልኪቱ መንግስቲ ምላሽ ሂቡ’ሎ። ውሉዳት ናይቶም ፍቓድ መንበሪ ዘለዎም ሰባት ደቆም 18 ምስ መልኡ ደጊም ከም “ጽግዕተኛታት” ወለዶም ተጌሮም ከም ዘይሕሰቡ፥ ናይቶም ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ዘለዎም ከኣ ክሳብ 21ን ድሕሪኡን ከም ዝዝርጋሕ ተሓቢሩ’ሎ። መንግስቲ ኣብዚ ምላሹ እቲ ን ውሉዳት ፍቓድ መንበሪ ከምኡ’ውን ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ወጻኢ ዝምልከት ሕጊ – ብኸፊል – ንሓድሕዱ ዘይቃዶ ክመስል ከምዝኽእል ይግንዘብ እዩ ኢሉ’ሎ። ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ማልመር ስቴነርጋርድ ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ናይ ጽሑፍ ግብረ መልሲ እዚ ክስተት ሓደ ካብቲ መንግስቲ ንኣባላት ስድራቤት መንበሪ ፍቓድ ኣብ ምሃብ ዝጸንሐ ሕግታት ክግምግሞ ዝወሰነሉ ምኽንያት ምዃኑ ገሊጻ። እቲ ግምጋም ዝመጽእ ሳመር ዕላዊ ክግበር እዩ። ሓደ ካብዞም በዚ ሕጊ ዝተጸልዉ ስደተኛታት ራሚ እዩ። ንሱ ናብ ሽወደን ብሞያ ሕክምና ክሰርሕ መጺኡ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ምርካቡ እንተኾነ ግና መንበሪ ፍቓድ ጓሉ ከምዘይናዋሕን ካብታ ሃገር ክትወጽእ ኣርባዕተ ሰሙን ከም ዘለዋ ምስ ተነግሮ ከም ዝሰንበደን ይዛረብ። ጓሉ ዘእተወቶ ሕቶ ፍቓድ መንበሪ ክሕደሰላ ዘይምኽእሉን ነቲ ከም እኽልቲ ስደተኛ ከተማልኦ እተሓተቶ ከተማልእ ገና ብዙሕ ዝጽበያ ምዃኑን ነቶም ስድራ ብዙሕ ከም ዘሕዘኖም፥ ነዞም ሕጊታት ብግቡእ ይፈልጦም እንተዝነብር ንኻልእ ሃገር ምኸድኩ ኔረ ክብል ራሚ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ብኻልእ ዜና—ግብረ ሰናይ ስታድስሚሽንን፡ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት መግቢ ክገዝኡሉ ዝኽእሉ ማትሚሽንን ዝተባህለ ሰንሰለታዊ ድኳናት መግቢ ማሕበረሰብ ከስፍሕ ምዃኑ ተሓቢሩ። ኣብ ጋቭለን ቦርላንይን ሓደስቲ ድኳናት ክኽፈቱ እዮም። ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት ዝዕድሚኡ ሮኒ ኔስላንደር፡ እተን ማሕበረሰባዊ ድኳናት እንተዘይህልዋ ነይረን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ መወዳእታ ሰሙን መግቢ ክገዝእ ዓቕሚ ኣይምኸልኲን ይብል። ብመሰረት እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ፡ ኣብ ሽወደን ድኽነት መግቢ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎን፡ ኣብ ድኳናት መግቢ ማሕበረሰብ ናይቲ ትካል ክዕድጉ ዝደልዩ ኣባላት ድማ ብቚጽሪ እናለዓሉ ምምጽኦምን ይሕብር