መንግስቲ ፊንላንድ ንሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማታት ኣጀንዳ ፖሊሲኡ – ማለት ኣብ መንግስታዊ ቁጠባ ዘሎ ሕጽረት ክሳብ 2027 ናብ
1% ካብ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ምግታእ ዝብል ዕላማ ከም ዝገደፎ ሚኒስተር ፋይናንስ ሪካ ፑራ (ፒኤስ) ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ
ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ። ፑራ ነዚ መግለጺ ዝሃበ ብቤት ምኽሪ ንግዲ ፊንላንድ ኣብ ዝተኣንገደ ናይ ግብሪ ሰሚናር ምዃኑ YLE
ኣመልኪቱ። እቲ ዕላማ፡ ኣብ እዋን ልዝብ ምቛም ልፍንቲ ተታሒዝይ ምንባሩ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን እቲ ቁጠባዊ ኩነታት ኣብ
ጽድያ 2023 ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ኣጸጋሚ ኮይኑ ምቕጻሉ ገሊጻ።
ሚኒስትሪ ፋይናንስ ዝሓለፈ ሰሙን ሓድሽ ቁጠባዊ ትንበያኡ ኣቐሚጡ’ሎ። ኣብ ምእታው ምርጫ ነቲ ሕጽረት ናብ ሓደ
ሚእታዊት ንምውራድ ናይ ኣስታት ኣርባዕተ ቢልዮን ዩሮ ተወሳኺ ምቚጣብ ከምዘድሊ ገሚቱ’ሎ። ትንበያኣ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ
ደፊሲት ኣብ 2024 3.7%፡ ኣብ 2025 3.2% ፡ ኣብ 2026 2.6% ፡ ኣብ 2027 ድማ 2.3% ክኸውን እዩ። ኣስታት 20
ሽሕ ተማሃሮ፡ ኣካዳሚያዊ ገስጋሶም ትሕት ስለዝብል ገንዝዘባዊ ምወላ ንምርካብ ዘድሊ ዝወሓደ ረቛሒታት ዘየማልኡ ምዃኖም
ብምምልካት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ብሃገራዊ ትካል ማሕበራዊ መድሕን ፊንላንድ–ኬላ–ሕቶ ቀሪቡ ። እቶም ሕቶታት
ንዓመተ ትምህርቲ 2023–2024 ናብ ኣስታት 5,600 ተማሃሮ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃን 14,600 ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃን
ተላኢኾም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ዝረኸቡ 278 ሽሕ ተምሃሮ እቶም 7% ጥራሕ ገስጋሶም ንምንታይ ክንድቲ
ዝድለ ኣይከደን ኣብ ዝብል መብርሂ ክህቡ ይሕተቱ ኣለዉ።
ካብ ዜናታት ሃገራት ኖርዲክ ከይወጻእና—-ሕጂ ዘሎ ጸጋማይ ማእከል መንግስቲ ኖርወይ ተፈታውነቱ ከም ቀደም ዘይምዃኑ፡
ከምኡ’ውን ህዝባዊ ርእይቶ ንኣዋርሕ ናብ የማናዊ ኣተሓሳስባ ምዝዛው የርኢ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ሓድሽ መጽናዕቲ ከም
ዘመልክቶ፡ ኖርወጃውያን ብሓፈሻ ብ ክንዲ ኣብ ስነ ሕሳብ ዝያዳ ንዋታዊን ግብራዊን ፖሊሲታት ዝድግፉ እናኾኑ ይኸዱ’ለዉ። ካብ
ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዓቃባውያን ይኾኑ ምህላዎም እውን ተመልኪቱ። እዚ ኖርሽ ሞኒተር ዝተባህለ መጽናዕቲ መከተምታ ናይቲ
ኣብ 1985 ዝጀመረ ተኸታታሊ መደብ እዩ። እዚ መጽናዕቲ ኣረኣእያታትን ክብርታትን ኖርወጃውያን ብኸመይ ከም ዝማዕበሉ
ተኸታቲሉ’ሎ፡፡ እናበረኸ ዝመጸ ሃብቲ ኖርወይ ኣብዚ ተራ ከም ዝነበሮ ንጹር’ዩ። ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ ኖርወጃውያን ዘሎ
ፋይናንሳዊ ጋግ ከጽብብ ዝጽዕር ዝነበረ ስነሓሳብ ውን ቀይርዎ እዩ። ኣብ ክንዳኡ ኣብ ኖርወይ ኣዝዩ ሃብታም ወይ ኣዝዩ ድኻ ሰብ
ክህሉ የብሉን ዝብል ሓሳብ፣ ልዑል ግብሪ ብምጽዓን ማሕበራዊ ፍልልያት ምንካይ ብሰፊሑ ተቐባልነት ረኺቡ እዩ። ጋዜጣ ዳገንስ
ኔሪንግስሊቭ (DN)፡ እቲ መጽናዕቲ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ነገራት ክሳብ ክንደይ ከምዝተቐየሩ ዘንጸባርቕ ምዃኑ
ሓቢራ’ላ። እቶም ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ድሕነት ሃገር ንምዕቃብ ልዑል ግብሪ ኣድላዪ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት ካብ 72-
ናብ 65% ወሪዶም ኣለዉ።