ብወለንታኦም ካብ ሽወደን ናብ ዓዶም ክምለሱ ንዝደልዩ ስደተኛታት ዝቐርብ መጠን ገንዘብ ክእከብ ተዳልዩ ምህላዉ ተፈሊጡ።
መንግስቲ ነዚ ዝገለጸ ባጀት ዝመጽእ ጽድያ ዕላዊ ክገብር ሰሙን ተሪፉሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ። ዝመጽእ ሓሙስ ባል ሰልፊ
ዴሞክራሲ ሽወደን ከምኡ’ውን ኣፈኛ ኢሚሬሽን መንግስቲ ሉድቪግ ኣስፕሊን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ እዚ ካብ 2026 ኣትሒዙ ኣብ
ግብሪ ክውዕል ምዃኑ፥ ነዚ ድማ ክሳብ 1.4 ቢልዮን ክሮና ተሓዚኡ ምህላዉን ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ሽወደን ምንባር ዘይፈትዉ፥
ከምኡ’ውን ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ክወሃሃዱ ዘጸገሞም ስደተኛታት እዚ ኣማራጺ ክጥቀሙሉ ዕድል ክወሃቦም እዩ።
መንግስትን ሰልፊ ዴሞክራስን ሽወደን ነዚ ኣብ ዝመጽእ ናይ ቀውዒ ባጀት ከእትውዎ ተዳልዮም ኣለዉ። እንተኾነ ግና እዚ እማመ፥
ሽወደን ስደተኛታት እትጸልእ ሃገር እያ ዝብል መልእክቲ ዘመሓላልፍ እዩ ብዝብል ነቲ ጒዳይ ክምርምር እተመዘ ኮሚተ ቅሬታኡ
ገሊጹ’ሎ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።