መንግስቲ ሎሚ ፈነወ በካሊ ጋዛት ንምንካይ፡ ኣቕረብቲ ነዳዲ ናብ ነዳዲን ናፍታን ክሕወስዎ ዝግደዱ መጠን ሚእታዊት ባዮፍዩል
ንምዕባይ ዘቕረቦ እማመ ባጀት ኣፍሊጡ። እቲ ብሰልፊ ዲሞክራትና ሽወደን ዝድገፍ እማመ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ነቲ
ኣብ ናፍታ ዝሕወስ 30.5% ባዮፍዩል፡ ናብቲ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝወሓደ መጠን ማለት (ሽዱሽተ ሚእታዊት) ዝበጽሕ ትእዛዝ
ምጉዳል በካሊ ጋዝ ንምውራድ፡ ንመራሕቲ መካይን ወጻኢታት ነዳዲ ምንካይ ዝብል ሓሳቡ ኣብ ምርጫ ጽቡቕ ንኸሳልጥ ሓጋዚ
እዩ ኔሩ። እዚ ሓሳብ ኣብቲ እዋን ብተቓወምቲ ሰልፍታትን ውድባት ኣከባብን ብብርቱዕ ተነቒፉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።
መንግስቲ ትማል ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሕጂ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብዝሒ ባዮፍዩል ኣብ ነዳድን ናፍታን ናብ 10%
ክምለስ ከምዝደሊን፡ ብተመሳሳሊ ድማ ዋጋታት ኣብ መዐደሊ ከይወሰኸ ግብሪ ነዳዲ ዝያዳ ከጉድል ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።