ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ፡ ንሰለስተ መዓልታት ብተኸታታሊ፡ ናይ መን ምዃንም ዘይተፈልጡ ድሮናት ምርኣየን ሕቶታት ፈጢሩ ኣሎ። ምንጭታት ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ሽወደን ነዚ ጒዳይ ኣመልኪቱ ናብ ኔቶ ጥርዓን ኣቕሪቡ’ሎ። ሃንስ ሊዋንግ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን ፡ እቲ ሰራዊት ካብ ድሮናት ዝመጽእ ምልክታት ናይ ምክትታል ዓቕሙ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተሳትፎኡ ርትዓዊ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
Related Stories
September 18, 2024
September 18, 2024