ኣብ ዩኒቨርሲቲታትን ኮለጃትን መምህራን ካልኣይ ደረጃ ንምዃን ክመሃሩ ዝደልዩ ኣመልከትቲ ብቚጽሪ ምዕባለ ምርኣዩ ኣገልግሎት
ዜና ሬድዮ ሽወደን ጸብጺቡ። ይኹን እምበር፡ ሃገራዊ ትካል ትምህርቲ “ስኮልቨርኬት” ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ገና ናይ ኣስታት 14
ሽሕ ብቑዓት መምህራን ሕጽረት ካልኣይ ደረጃ ክኽሰት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
“ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ክሰርሕ እየ ክብል ከለኹ ብዙሓት ሰባት ‘እዚኮ ከቢድ እዩ’ እዮም ዝብሉ። ምኽንያቱ
ብዙሓት ሰባት ንካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብዙሕ ዕግርግር ዝመልኦ ሃዋሁ ጌሮም እዮም ዝዝክርዎ” ትብል ኣብ ዮተቦሪ እትርከብ
ሰልጣኒት መምህር ፍሎራ ኦስትራንድ