ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሳምንታት ቁጽሪ ብኮቪድ ዝተለኽፉን ኣብ ሆስፒታል ምሕዳር ዘድልዮም ሰባትን ከምዝወሰኸ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። እቲ ወሰኽ ብቐንዱ ኣብ ኣረጋውያንን ጸኒሕ ሕማማት ዘለዎም ሰባትን እዩ ክጸንዕ ዝረአ ዘሎ። ይኹን እምበር ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ስካነ ዶክተር ሄንሪክ ዊደግረን፡ ኮቪድ ዋላ እኳ እቲ ወሰኽ እንተሃለወ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ። ሩባ ስከለፍትዮ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሕማም ክሬይፊሽ ነጻ ክኸውን ልዑል ተስፋ ተነቢሩ’ሎ። ካብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ከም ኣካል ፈተነ ኣብ ሩባ ስከለፍት ዝተቐመጡ 15 ዓሳ ክሬይፊሽ፡ ብዘይካ ሓደ ኩሎም ብህይወት ይቕጽሉ’ለዉ። እቲ ሩባ ካብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዳርጋ ንኹሎም ኣብኡ ዝነበሩ ክሬይፊሽ ዝቐተለ ኣዝዩ ተላባዒ ዕስለ ሽኮርያ ነጻ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዓዒሉ’ሎ።
“እዚ ኣዝዩ ጽቡቕ ምልክት እዩ” ይብል ነቶም ማያት ክከታተል ዝጸንሐቲዮ ኒልሰን ሃል ካብ ምምሕዳር ከተማ ስከለፍትዮ፡