ሩስያ ኣብ ዋዕላ “መጻኢ ሕቡራት ሃገራት” ሓድሽ ስምምዕ ንምትእትታው ዘካየደቶሞ ዝፈሸለ ፈተነ እታ ሃገር ትንጸል ምህላዋ ዘርኢ ምዃኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኤባ ቡሽ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። መራሒ ሰልፊ ክርስትያናዊ ደሞክራሲ ዝኾነት ቡሽ፡ ሩስያ ነቲ “ውዕል ንመጻኢ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስምምዕ ካብ መስመር ንምእላይ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምስ ክውንነት ጨሪሱ ዘይራኸብ ይመስል ኢላ። ሽወደን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሕቡራት ፍሩይ ተራ ከምዘለዋ እዩ ይንገር፡፡ ምስ ዛምብያ ብምዃን ከኣ ን ዓለማዊ ዲጂታላዊ ቅርጺ ኣመልኪቱ ዝካየድ ልዝብ ትመርሕ ምህላዋ እዩ ዝንገር
ኣብ ቀረባ እዋን ብቤት ምኽሪ ንግዲ ፊንላንድ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ዳርጋ ኩለን ኩባንያታት ፊንላንድ ካብ ዕዳጋ ሩስያ ብዓወት ወጺአን ኣለዋ። ብመሰረት ኣካየድቲ መጽናዕቲ ሰደድ፡ ካብተን ኩባንያታት እተን 0.9% ጥራይ ገና ኣብ መስርሕ ምስሓብ ይርከባ’ለዋ፡፡ እንተኾነ ግን ድሕሪ ሕጂ ኣብ ሩስያ ብንጥፈት ንግዲ ዘካይድ ከም ዘየለ ተሓቢሩ። እዚ ድሕሪ’ቲ ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ንዩክሬን ምውራራ፡ 78% ካብተን መልሲ ዝሃባ ኩባንያታት ገና ኣብ ሩስያ ስራሕ ይቕጽላ ዝነበራሉ እዋን እንክወዳደር፡ ርኡይ ለውጢ ምምዝጋቡ ዘመልክት እዩ። ኣብ መጀመርታ 2023 እቲ ኣሃዝ ናብ ልዕሊ 6% ወሪዱ እዩ። ፡ 13% ድማ ገና ኣብ መስርሕ ምዕጻው ንግዶም ኔሮም። ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ዳሕረዋይ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ትካላት ንግድ ፊንላንድ እቶም ኣዝዮም ዝበዝሑ ምውጽኦም ተፈሊጡ’ሎ።