ሓያሎ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ብኸመይ AI ተጠቒመን ብዝበለጸ ስሉጥ ስራሕ ይሰርሃ ኣለዋ ተባሂሉ። ካብዚ ቀውዒ ጀሚሩ፡ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምምሕዳር ከተማ ናካ ምስ AI ዝጥቀሙ ስድራቤታት ዝገበርዎ ዝተቐድሐ ኣኼባታት ምጽሓፍ ክጅምሩ እዮም። እዚ ንሰራሕተኛታት ንኻልእ ዕማማት ዝያዳ ግዜ ክህቦም እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎ።
እዚ እናኾነ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ቤተ-መጻሕፍቲ ልቓሕ ኢ-መጻሕፍትን ናይ ኦድዮ መጻሕፍትን ክድርቱ ከምዝተገደዱ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣመልክት። ጠለብ ኢ-መጽሓፍቲ እናወሰኸ ብምምጽኡ ውዕላት ዝያዳ ክቡራት ይኾኑ ኣለዉ ተባሂሉ’ሎ። ካብተን 30 ብብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ ኣስታት ፍርቂ፡ ንልቓሕ ኢ-መጽሓፍተን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክድርትኦ ከምዝተገደዳ ይዛረባ።