እቲ ብ “ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ሽወደን” Vårdförbundet, ዝተበገሰ ኣድማ ምቑጻርን ተወሳኺ ሰዓታት ስራሕን፥ ኣብ መንጎ
ማሕበርን ኣስራሕትን – ማሕበር ምምሕዳራት ከባቢን ዞባታትን ሽወደንን ሶቦናን – ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጺሖም፡ ዝመጽእ
ሰሙን ናብ ሓያሎ ሆስፒታላት ኣድማ ክላባዕ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። እዚ ኣድማ ብቐንዱ ኣብ ሰዓታት ስራሕ ዘማእከለ እዩ። ኣብ
ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ እትሰርሕ ነርስ ሊና ኦካምፖ ዳዛ ነዚ ተበግሶ ትድፎ እያ። ንሳ “ህሉው ኲነታት ንሞያና ብዙሕ ዋጋ
ዝይተዋህቦ ምስ ምዃኑ ዝተኣሳሰር ይመስለኒ፡ መብዛሕትና ኣብዚ ሞያ ዘሎና ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ኢና” ትብል። ኣብ ሆስፒታል
ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ዋና ሓላፊ ሕክምና ዮሃን ሉግ ነጋርድ ግና በዓል መዚ ጥዕና ዞባ ኡፕሳላን ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕናን ተወሳኺ
ሰዓታት ስራሕ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።