ብ16 ግንቦት 2024 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ባይቶ ማሕበር ሕክምና ፊንላንድ (FMA) ብሓኪም ዝሕገዝ ነብሰ ቅትለት ሕጋዊ
ንምግባር ዝግበር ንዘሎ መስርሕ ከም ዝቃወም ገሊጹ። ሓካይም ሞት ሓደ ሕሙም ንምቅልጣፍ ዝዓለመ መስርሕ ኣብ
ምፍጻም ክሳተፉ ክግደዱ ከምዘይብሎም ድማ ኣስሚሩሉ። ኤፍኤምኤ፡ ነፍሰ ቕትለት ሓደ ሕሙም–ዩቴኔዥያ–ምፍቃድ፡ ኣብ
ክብርታት እታ ሃገር ገዚፍ ለውጢ ከም ምትእትታው ከም ዝቚጸር ኣብ ሕክምናዊ ያታ ኸኣ ዘይተገመቱ ምዕባለታት ከምጽእን
ከም ዝኽእልን ሞጒቱ’ሎ።
እቲ ትካል፡ ቀንዲ ተራ ሓካይም፡ ንጉድለታት ስርዓተ ክንክን ጥዕና ብሞት ምፍታሕ ዘይኮነ፡ እዋናዊ ሕክምናዊ ፍልጠት ተጠቒምካ
ህይወት ምሕላውን ስቓይ ምቅላልን ምዃኑ ኣስሚሩሉ። እዚ ውሳነ፡ ምስ ዩኒቨርሲቲ ታምፐረ ብምትሕብባር ዝተኻየደ መጽናዕቲ
ሓዊሱ፡ ሰፊሕ ናይ መጽናዕቲ፡ ኣህጉራዊ ምንጽጻርን ምምኽኻርን ስዒቡ ዝመጸ እዩ። እቲ መጽናዕቲ ካብ ፊንላንዳውያን ሓካይም
ኣስታት 9000 መልስታት ኣኪቡ እዩ፡፡ በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሓካይም ንዝድገፍ ነፍሰ ቕትለት ተሓከምቲ ዘሎ ደገፍ
ቁሩብ ከምዝወሰኸ፥ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ሓካይም ግና ኣብዚ ጒዳይ ርኡይ ምፍልላይ ከምዝነበረን ኣረጋጊጹ’ሎ። ብፍላይ
ኣብቶም ዘይሓዊ ግና ብክንክን ዕድመ ክውስኽ ዝኽእል ሕማም ዘለዎም ተሓከምቲ ዝሰርሑ ሓካይም ነዚ ኣገባ ብነፍሰ ቕትለት
ዝያዳ ዝነቕፉ ኮይኖም እዮም ተረኺቦም። መብዛሕትኦም ድማ ብውልቆም ንኽፍጽምዎ ድሉዋት ኣይኮኑን። ካብዚኦም እቶም
13.5% ጥራይ እዮም እዚ መስርሕ ሕጋዊነት እንተለቢሱ ጥራይ ዘይምሕር ሕማም ንዝሃዞ ሕሙም ነፍሰ ቕትለት ክፍጽም
ክሕግዙ ዝሰማምዑ ክብል እቲ ዳህሳስ ገሊጹ’ሎ።
ብተወሳኺ ኤፍኤምኤ፡ ብሓኪም ዝሕገዝ ነብሰ ቅትለት ሕጋዊ ምግባር ህዝቢ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘለዎ እምነት ከም ዘንቈልቊል
ዝገብር እዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ’ሎ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተገብረ "ትርግታ ዜጋታት" ኣብ ዝተሰምየ መጽናዕቲ መልሲ ካብ
ዝሃቡ እቶም 58% ጥራይ እዮም ኣብ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ልዑል እምነት ከምዘለዎም ዝገለጹ። ኣብ መደምደምታ፡
ኤፍ.ኤም.ኤ፡ ስነ-ምግባራዊ፡ ኣብ ሓካይም ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋታትን ካልእን ስክፍታታት ብምጥቃስ፡ ን ዩቴኒዥያ ዘለዎ
መርገጺ ደጊሙ ኣረጋጊጹ’ሎ።