ከም ኣካል ናይቲ ቅድሚ እቲ 9 ሰነ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫ ባይቶ ኤውሮጳ፡ ሬድዮ ሽወደን ካብ ዓበይቲ ውድባት ንዝመጹ
ላዕለዎት ኣስማት ቃለ መሕትት ትገብር ኣላ። ኣብዚ ግዜ ኣዛሪባቶ ዘላ ሕጹይ ቶማስ ቶቤ ካብ ሞደራላዊ ሰልፊ እዩ። ካብ 2019
ጀሚሩ ኣባል ባይቶ ኤውሮጳ ዝኾነ ቶማስ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ 2006 ክሳብ 2019 ኣብ ባይቶ ሽወደን ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ መላእ
ሕብረት ኤውሮጳ ዝፍጸም ስግረ-ዶባዊ ገበን ምቅላስ ኣብዚ ምርጫ’ዚ ቀዳምነታት ሞዴራትና እዩ። ቶማስ ቶቤ ነቶም ብከም
ግብረሽበራ ወይ ኣባልነት ገበን ጉጅለታት ዝመሰሉ ከበድቲ ገበናት ዝተፈርዱ ሰባት ናጽነት ምንቅስቓሶም ክድርት ከም ዝደሊ”
ድሕሪ ምግላጽ “ሽወደን ነዚ ዕድል ተጠቒማ ነዞም ስባት ኣብ ሽወደን ተቐባልነት ከም ዘይብሎም፥ ን ሓሙሽተ ዓመታት ናብ ሃገራ
ከይኣትዉ ክትክልክል ይግባእ። እዚ ኣካል ናይቲ ዝወሃብ ፍርዲ ክኸውን ዝግባእ ይመስለኒ” ኢሉ’ሎ።