ኣብ ስከለፍትዮ ኣብ ዝርከብ ኖርዝቮልት ልዕሊ 400 ሰራሕተኛታትን መሃንድሳትን ካብ ስራሕ ይሰናባቱ ምህላዎም ምርግጋጹ
ምስቲ ብቅልውላው ተጠቒዑ ዝርከብ ኣፍራዪ ባትሪ ናይ ምድቓስ ውዕል ዝገበረ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓቢሩ። ብዘይካዞም ናይ
ሎሚ፥ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቬስተሮን ስቶክሆልምን ሰራሕተኛታት ምፍናዎም ዝፍለጥ እዩ። ይዂንምበር ጠቕላላ ቁጽሪ ተሰናበትቲ
ሰራሕተኛታት ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ንፈለማ ግዜ ዝተዋህበ ትንበያ–ማለት 1600–ዝተሓተ ክከውን እዩ ዝብል ተስፋ
ኣለዎም። እዚ እናኾነ ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣይ ኤፍ ሜታል ዝግበር ልዝብ ገና ይቕጽል ምህላዉ ተፈሊጡ። ሻነይካ ጀፍሪ
ኣብ ስከለፍተዮ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ባትሪ ምክትል ፕረዚደንት ጨንፈር ከባቢ ማሕበር ሞያውያን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ
ሓበሬታ፡ “ንገለ ሰራሕተኛታት ዳግማይ ከነዋፍር ክኢልና ኢና፡ እዚ ድማ ነቲ ቁጽሪ ብገለ መንገዲ ጸልይዎ እዩ” ኢላ’ላ።
ካብ 2017 ጀሚሩ ፖሊስ ሽወደን ብ80 ሚእታዊት ወሰኽ ምወላ ከምዘርኣየን ኣብ መንጎ 2018ን 2023ን ቁጽሪ ናይቶም
ኣብ ምጽራይ ከበድቲ ገበናት ዝተዋፈሩ ሰባት ብግምት ብ30 ሚእታዊት ከምዝወሰኸን ተሓቢሩ። ብዝሒ ናይቶም ዝተፈትሑ
ጉዳያት ግን ከምዘይተቐየረ ኮይኑ ኣብ 19 ሚእታዊት ተደሪቱ’ሎ። ማዕረ ማዕሪኡ ሽወደናውያን ግዳይ ገበን ከይኮኑ ስክፍታኦም
ዝወሓደ ይመስል። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማልሞ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርን ክኢላ ገበንን ማነ ገረል፡ “ፖሊስ ዝሓሸ ብቕዓት ዘርኣዩ
ይመስለኒ፡ እንተኾነ ግን ፡ ዝያዳ ምምሕያሻት ክግበር ኣለዎ” ኢሉ’ሎ።