ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝርከቡ መረጽቲ ዝመጽእ ወርሒ ባይቶ ኤውሮጳ ንምምራጽ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ሬድዮ ሽወደን 9 ሰነ
ኣብ ሽወደን ዝካየድ መዓልቲ ምርጫ ኣመልኪታ፡ ካብ ኩለን ኣብቲ ባይቶ ተወኪለን ዘለዋ ሸሞንተ ሰልፍታት ሽወደን ንዝመጹ
ሕጹያት ቃለ መሕትት ትገብር ኣላ። ቀዳመይቲ ሕጽይቲ ካሪን ካርልስብሮ ካብ ሊበራላውያን እያ።
“ኣብዚ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሓደገኛ ኲነታት ፈጢሩሉ ዘሎ እዋን ሓያል ኤውሮጳ ክትህሉ ኣገዳሲ እዩ። ሩስያ ኣብ ዩክሬን
ዘካየደቶ ኲናት ንመላእ ኤውሮጳ፡ ንሽወደን እውን ዓቢ ጸጥታዊ ስግኣት እዩ። ክሳብ ኲሎም ሰራዊት ሩስያ ን መሬት ዩክሬይን
ገዲፎም ዝወጹ፥ ን ዩክሬይን እንገብሮ ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ሓገዛት ክንቅጽለሉ እዩ ዝግባእ” ክትብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።
ንሳ ወሲኻ ካብ ሕሉፋት የማናውያንን ጸጋማውያን ዘለዉ መርገጺታት ን ሓባራዊ ምድግጋፍ ኣውሮጳዊ ሕብረት ከዳኽምዎ ይኽእሉ
እዮም፥ እዚ ድማ ንሰላምናን ድሕነትናን ዓብዪ ብድሆ እዩ ዝብል ሻቕላ ከም ዘለዋ ድሕሪ ምግላጽ፥ ዩክሬይን እትገብሮ ዘላ ኲናት
ን ውልቃዊ ህላወኣ ጥራይ ዘይኮነ፥ እንታይ ደኣ ንህላወ ኲሉ ዴሞክራስያዊ ሃገር ምዃኑ ኣስሚራትሉ።
ኣብዚ ኣጀንዳ ምቅላስ ገበናዊ ጒጅለታትን ክሊማን ጎሊሖም ወጺኦም ኣለዉ—ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።