ኣብ ሊባኖስ ንሕዝቦላህ ዕላማ ጌሩ ኣብ ዝተኻየደ ጽዑቕን ሰፊሕን መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ብውሕዱ 492 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ። ሰራዊት እስራኤል ድሕሪ ኲናት 2006 እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝሃነጾ መሰረተ ልምዓት ንምዕናው ኣብ ዘካየዶ ስርሒት 1300 ዕላማታት ሕዝቦላህ ከምዝሃረመ ገሊጹ’ሎ። በዚ መጥቃዕቲ እስራኤል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስድራቤታት ካብ ኣባይቶም ሃዲሞም ተፈናቒሎም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ሕዝቦላህ ልዕሊ 200 ሮኬታት ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ምውንጫፉ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ’ሎ። ፓራሜዲክስ ክልተ ሰባት ብንጣር ከቢድ ብረት ከምዝተጎድኡ ሓቢሮም ኣለዉ። ክልቲኦም ወገናት ናብ ኩሉ መዳያዊ ኲናት ኣብ ዝቐርቡሉ ዘለዉ እዋን፡ ሃብታማትን ሓያላትን ሃገራት ዓለም እዞም ሓይልታት ግታኣት ክገብሩ ክላበዋ ጸኒሐን እየን።
ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 35 ህጻናትን 58 ደቂ ኣንስትዮን ካብቶም ዝሞቱ ምዃኖም፡ ካልኦት 1645 ድማ ምቚሳሎም ሓቢሩ’ሎ። ካብቶም ዝሞቱ ክንደይ ሲቪላት ወይ ተጋደልቲ ምዃኖም ኣይገለጸን። ሚኒስተር ጥዕና ፍራስ ኣብያድ፡ በቲ መጥቃዕቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስድራቤታት’ውን ተመዛቢሎም ምህላዎም ሓቢሩ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ በቲ እናተባልሐ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ምስካፉ ብምግላጽ ሊባኖስ “ካልእ ቓዛ ክትከውን” ከምዘይደሊ ገሊጹ’ሎ።