ኣብ ባሕሪ ኤጅያን ዝርከባ 13 ደሴታት፡ ሰፊሕ መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ከም ዘጋጠመን ብበዓል መዚ ECDC ዝተዳለወ ካርታ ኣመልኪቱ ክብል ማዕክን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቲ በዓልመዚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ናብተን ድሴታት ዝግበር ጒዕዞ ንግዝይኡ ክቋረጽ ኣተሓሳሲቡ። ብፍላይ ደሴታት ሚኮኖስ፡ ሳንቶሪኒን ሮደስን ዝለዓለ ሓደጋ መልከፍቲ ከም እተራእየ ተገሊጹ።
ሰብመዚ ግሪኽ ኣብ 2020 ድሕሪ ዘጋጠሞም ክሳራ፡ በጻሕቲ ንምስሓብ ብዙሕ ተስፋ’ኳ እንተነብሮም፡ እዚ ሓደጋ ዓቢ ብድሆ ክኾኖም እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ኣዝየን ብኮሮና እተጠቕዓ ከባቢታት ዓለምና፡ ኣብ ካርታ ቀይሕ ነቚጣ ዘቐምጥ ኣገባብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ዘድሊ መርመራን ውሸባን መምርሒታት ከተግብራ ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጠን ሓደጋ ደሴት ክሬት፡ ናብ ደሚቕ ቀይሕ ከም እተሰጋገረ እኢ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ዕዳጋ እንታይ ግብረ መልሲ ከም ዘርኢ ንጽበ ኣሎና ክብል፡ ፕረሲደንት ማሕበር ኢንዱስትሪ ሆቴላት፡ ማሎኒስ ማርኮፖሎስ፡ ድሕሪ’ቲ ብበዓል መዚ ESDC መተሓሳሰቢ ተኸቲሉ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣፍሊጡ።