ቅትለት ላዕለዋይ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራ ቴህራን ንዝርከብ ናይ ብሕቲ መንበሪኡ ዒላማ ብዝገበረ ተመራሒ ሚሳይል ከምዝተፈጸመ ምንጭታት ካብ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ ኣል ሓዳት ሓቢሮም። እቲ ሚሳይል ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 2፡00 ነቲ ህንጻ ከምዝሃረመ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን እውን ኣዊጀን ኣለዋ። ምስ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ፋርስ ኒውስ፡ ሃኒየህ ኣብ ሰሜን ቴህራን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዳይም ተጋደልቲ እናሃለወ “ካብ ኣየር ብዝወጸ ፕሮጀክትላይት” ከምዝተቐትለን’ውን ገሊጹ’ሎ።
ኣብታ መመረቕታ ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን ዝሳተፍ ዝነበረ ሃኒየ ምቕታሉ፡ ከቢድ ትርጉም ዘለዎን – ሓደገኛን – ምዕባለ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ተወሳኺ ጎነጽ ከይለዓል ስግኣት ዝፈጥር እዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ ሻቕላኦም ይገልጹ ኣለዉ። ሓማስ እዚ ብእስራኤል ዝተፈጸምር እዩ ኢሉ ክገልጽ እንከሎ፣ እስራኤል ግን ኣብዚ ጒዳይ ርእይቶ ኣይሃበትን ኣላ።
እስራኤል ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓያል ሚሊሻን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሊባኖስን ሂዝቦላህ ድሕሪ ምውቃዓ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ እዚ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ዘሎ። በቲ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ንላዕለዋይ ኣዛዚ ፉዓድ ሹከር ከም ዝቐተሎ ገሊጹ’ሎ። ብገምጋም 150 ሽሕ ሚሳይላትን ሮኬታትን ዘለዎ ሕዝቦላህ እንታይ ምላሽ ከምዝህብ ዛጊት ንጹር ኣይተፈልጠን።