ሽወደን ኣንጻር ሕጹይቲ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ብምኻድ ዝቕጽል ኮሚሽነር ኤውሮጳ ዝኸውን ሓደ ሽወደናዊ ጥራይ ክትረቊሕ እያ። ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ብባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ፕረዚደንት ኮሚሽን ምዃና ክጸድቀላ ዘለዎ ቮን ደር ሌየን፡ ኣብቲ ሓድሽ ኮሚሽን ጾታዊ ማዕርነት መታን ክረጋገጽ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገራት ካብ ክልቲኡ ጾታ እተዋጽኡ ክልተ ሕጹያት ክረቚሑ እያ ትደሊ። እንተኾነ መንግስቲ ሽወደን ንሽወደን ን እገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓደ ሕጹይ ኮሚሽነር ጥራይ ከም ዘቕርብ ሓቢሩ’ሎ