ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ኩሎም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝቐርቡ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ጽኑዕ ፖሊሲ ስደት
ዘብጽሑ እማመታት ክምርመሩ ከም ዝግብኦም ገሊጹ ። ንሱ ነዚ ዝገለጸ ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርብን ብፕረዚደንት ኮሚሽን
ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ዝምራሕ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ስደት ቅድሚ ምክያዱ ኮይኑ፡ ንሳ ናብ መራሕቲ ሕብረት
ኤውሮጳ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ካብ ዶባት እቲ ሕብረት ወጻኢ “ማእከላት ምምላስ” ብዛዕባ ምቛም ክህሰበሉ ጸዊዓ’ላ። ካልእ
ክዝረበሉ ዝተዳለወ ኣርእስቲ፡ ፖላንድ ካብ ቤላሩስ ንዝሰግሩ ሰባት መሰል ዑቕባ ምሃብ ንግዚኡ ደው ከተብሎ ከም እትደሊ
ምግላጻ እዩ።