ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ኣብ መዳይ ቁጠባውን ፋይናንሳውን ገበናት ንዝጥርጠሩ ሰባት ናብ ፖሊስ ኣብ ምሕባር ዝነኣድ ተበግሶ
ይወስዳ ዘይምህላወን ማሕበር ምምሕዳር ከባቢን ዞባታትን ሽወደን SKR ሓቢሩ። “ብዝግበኣና መጠን ናብ ፖሊስ ንሕብር ዘሎና
ኣይመስለንን። ነዚ ኣብ ምምዕባሉ ንሰርሕ ኣለና” ክትብል ኣተሓባባሪት ኤስ.ኬ.ኣር ክርስቲና ኪርናን ገሊጻ’ላ። እዚ እናኾነ
ኣብ ልዕሊ ምምሕዳራት ከተማ ዝፍጸም ቁጠባዊ ገበናት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ በዓል መዚ ቁጠባዊ ገበናት ሽወደን ዘውጽኦ
ጸብጻብ ይሕብር።