ቁጽሪ ናይቶም ብዘይ ኣእማኒ ምኽንያት ብዙሕ ግዜ ካብ ክፍሊ ብምብኳሮም ደገፍ መጽናዕቲ እተሳሕቦም ተማሃሮ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ (ጂምናዚየት) ከም ሎም ጌሩ ወሲኹ ከም ዘይፈልጥ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ን ነዊሕ ዝኸይድ ክከውን ከም ዝኽእል ማዕከን ዜና ቲቲ ጸብጺባ።
“እዚ ማለት ካልኦት ድጋፋት እውን ይስሓቡ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ” ክብል ተንታኒ ቦርድ ፋይናንስ ተመሃሮ ሽወደን (CSN) ፒተር ኤንግበሪ ንTT ሓቢሩ። ወከልቲ ተምሃሮ ብዛዕባ እቲ ልምዓት ስክፍታ ስለ ዘለዎም ተወሳኺ ደገፍ ክግበር ጸዊዖም ኣለዉ።