ብሰንኪ’ቲ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዘስዓቦ ዝቕባበ ኣብ መስከረም ማእከላይ ባንክ ሽወደን (ሪክስባንክ) መጠን ወለድ
ክውስኽ ከም ዝኽልእ ሃገራዊ ትካል ቊጠባዊ መጽናዕቲ ሽወደን KI ኣፍሊጡ። ብተመሳሳሊ ኣብዚ ወርሒዚ ተኣማንነት
ስድራቤትታት ኣብ ቊጠባ እታ ሃገር ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምህላዉ ሓባሪ ተኣማንነት ሸመትቲ ኣፍሊጡ። እዚ ድሕሪ 2009
ዝተኸስተ ዝተሓተ ደረጃ ምዃኑ እውን KI ወሲኹ ኣመልኪቱ።
.
እዚ ካብ 2019 ንደሓር ንፈለማ እዋን ዘጋጥም ዘሎ ወሰኽ ወለድ ሪክስባንክ ኣብ 2024 እውን ብሓደ ፐርሰንት ክድገም ከም
ዝኽእል ትንበያኡ ኣቐሚጡ’ሎ።