መንግስቲ ኣንጻር ገበናት ጉጅለታት ገበን ምስራሕ፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን ትማሊ ኣብ ዘስምዖ መግለጺ ፖሊሲ መንግስቲ ዓቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ውዒሉ። ኢሚግሬሽንን ውህደትን ካልኦት ትኹረት ዝገበሩሎም መዳያት ኮይኖም፡ ብገንዘብ ንነብሶም ዘይድግፉ ስደተኛታት ዝግበር ወለንታዊ ምምላስ ክውስኽ ኣድላዪ ምዃኑ ተሰሚሩሉ’ሎ። ተቓወምቲ ሰልፍታት ግና ኣብቲ መግለጺ ፖሊሲ ንጹር ትልምታት ክንክን ጥዕና፣ ትምህርትን ኩነታት ኣየርን ኣይተገልጸን ብምባል ነቐፌታኦም ኣስሚዖም ኣለዉ