እስራኤል ኣብ ማእከላይ ቓዛ ብዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ፥ ሽዱሽተ ቆልዑ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ከምዝተቐትሉ ሓደ ነርስ ቓዛ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“ምሉእ ስድራይ ከምዛ ዘይነበሩ ኮይኖም፥ ደጊም ዝተረፈኒ የለን” ይብል ኣሽራፍ ኤል ዓታር። እዚ ኣብ ኤውሮጳዊ ሆስፒታል ቓዛ ዝሰርሕ ነርስ እዚ ኣብ ደይር-ኣልባላህ ዝርከብ ቤቱ ሰንበት ንግሆ ከምዝተሃርመ ይዛረብ። እስራኤል ብዛዕባ እዚ ፍሉይ መጥቃዕቲ ዛጊት ዝኾነ ዝበለቶ ነገር የለን። እንተኾነ ግን ሓይልታታ ኣብታ ከተማ ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ገሊጻ’ላ። ንኣባላት ዕጡቓት ጉጅለታት ጥራይ ዕላማ ምግባራ ድማያ ትገልጽ።
በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ በዓልቲ ቤት ኤል ኣታር – ሃላ ካታብ፡ መምህር – ከምኡ’ውን ሽዱሽተ ደቆም – ወዲ 15 ዓመት ወዶም ጓል ሓደ ዓመት፥ ከምኡ’ውን ኣርባዕተ ደቂ 10 ዓመት መናቱ ደቆምን እዮም። እቲ ነርስ ንፖድካስት ቢቢሲ ዓረብኛ ቓዛ ቱደይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 6 ንግሆ ንስራሕ እናተዳለወ “ድምጺ ኣላርም ድሕሪ ምስምዑ ሃላዋቱ ምጥፍ” ይዛረብ። ናብኡ ምስ ከደ ቤቱ ዓንዩ ከም ዝጸንሖን ድማ ይዛረብ። ኩሉ ደጋዊ መናድቕ ናይቲ ዝነብሩሉ ኣፓርታማ በቲ ደብዳብ ፈሪሱ እዩ።
“ብከቢድ ሓዘን ስም ደቀይን በዓልቲ ቤተይን ጸዊዐ፡ ኦሮማይ” ድማ ይብል።
“ኣርባዕተ ማናቱ ሓዊሱ ሽዱሽተ ደቀይን በዓልቲ ቤተይን በቲ መጥቃዕቲ ብቕጽበት ተቐቲሎም” ዝበለ እቲ ነርስ እቲ መጥቃዕቲ ሃንደበት ከም ዝቐተሎ ይዛረብ። ቅድሚኡ ዝነበረት ምሸት፡ እዛ ስድራቤት ካብቲ ኣጨናቒ ክዉንነት ኲናትን ደብዳብን ንምህዳም ተኸታታሊ ፊልም እያ ትርኢ ኔራ። ኣደ ኤል ኣታር – ከምኡ’ውን ኣደ ዓባይ ሽዱሽተ ደቁ – ቤቶም ዝተደብደበሉ ምኽንያት ከም ዘይበርሃላ” ትዛረብ።
“ወደይ ኣሽራፍ ኣብ ኤውሮጳዊ ሆስፒታል ከም ነርስ ኮይኑ ይሰርሕ፡ ኣብኡ ድማ ንሕሙማት ኣብ ምሕጋዝ ተደፊኡ እዩ ዝውዕል፥ ምስ ዝኾነ ትካላት ከኣ ርክብ የብልናን” ትብል። እዞም ሰብሓዳር ደቆም ብፍላይ ድማ ነቶም ኣርባዕተ ቆልዑ ኣብ ምዕባይ “ከቢድ ብድሆ” ከም ዘሕለፉ ን ቢቢሲ ምስ ከቢድ ሓዘን ገሊጻ’ላ።