ምክትል ፕረዚደንት ከምኡ’ውን ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ሰልፊ ደሞክራትስን ካማላ ሃሪስ ናብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ካብ እትኣቱ ንፈለማ እዋን ኣብ ዘካየደቶ ናይ መጀመርታ ቃለ መሕትት ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ሓሳባ ቀዪራ ንዝብል ሕቶ መልሲ ሂባ። እታ ሕጽይቲ ዲሞክራትስ፡ ኣብ 2019 ንፕረዚደንትነት ካብ እትወዳደር ንደሓር፡ ኣብ ኢሚግሬሽንን ክሊማን ዘለዋ ፖሊሲታት ስለምንታይ ተቐይሩ ዝብል ሕቶ ብብዙሓት ክድፍኣሉ ዝጸንሐ እዩ። ንሳ ንጋዜጠኛ ሲኤንኤን ዳና ባሽ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “እቲ ኣዝዩ ኣገዳስን ትርጉም ዝወሃቦን መዳይ ናይ ፖሊሲ ኣረኣእያይን ውሳነታተይን ኣብ ኣዕዚዘ ዝርእዮ ክብርታተይ ምንም ምቕያር ዘይምግባሩ እዩ” ኢላ።
መወዳድርታ ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካንን ፕረሲደንት ኣመሪካ ነበርን ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ቃለመሕትት ድሕሪ ምዝዛማ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ብሓንቲ ቃል “ኣሰልቻዊ!!!” ክብል ኣብ ትሩዝ ሶሻል ጽሒፉ። እታ ምክትል ፕረዚደንት ንቁጠባዊ ኣካይዳ ዋይት ሃውስ መልሲ ክትህበሉ ግዲ ከም እተባህለት፡ እዚ ድማ ናህሪ ዋጋታትን ክብሪ መነባብሮን ንኣመሪካውያን ይጎድኦም ምህላዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ክሳብ ሕጂ ዝተራእዩ ፖልስ ከም ዘመልክትዎ መረጽቲ ንምሕደራ ቊጠባ ትራምፕ እዮም ዝመርጹ።
ካማላ ሃሪስ ክሊማዊ ለውጢ ንምፍታሕ እትገብሮ ጻዕሪን ነቲ ኣብ ነዳዲ ዘሎ ተሞርካስነት ንምንካይ ዝቐረበ እማመ ሰልፊ ዲሞክራስን ሓምለዋይን ምድጋፍን፡ ጸኒዑ ዝቕጽል ፖሊሲኣ ምዃኑ ኣመልኪታ’ላ። “ቅልውላው ክሊማ ናይ እማንን ህጹጽ ጠመት ዘድልዮን ጒዳይ ምዃኑ እኣምን እየ፡ ሰሪሐሉ’ውን እየ” ኢላ’ላ፡።