ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ሕጹይቲ ፕረዚደንት ሰልፊ ዴሞክራትስ ንምዃን እኹል ደገፍ እቲ ሰልፊ ከምዝሰሓበት ኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ። ትማሊ ምሸት ብኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ሃሪስ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ድምጺ ንሕጹይነት ንምዕዋት ካብ ዘድልዩ ልዕሊ 1976 ኣባላት ድጋፍ ከምዝረኸበት ሓቢሩ’ሎ። ሃሪስ፡ “ሰፊሕ ደገፍ” ብምርካባ “ሕብንቲ” ምዃና፡ ነቲ ሕጸ ብወግዒ ክትቅበሎ ድማ ብሃንቀውታ ከምዝጽበያን ገሊጻ። ልኡኻት ኣብቲ ቀንዲ ሕጹይነት ናይቲ ሰልፊ ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ሃገራዊ ዋዕላ (DNC) ንከባቢያዊ ምርጫኦም ወኪሎም ክወክሉ ዝተመርጹ ሰባት እዮም። ከምዚ ዓይነት ድጋፍ ቀያዲ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን እቲ ጠቕላላ ኣብ መንጎ ሕጂን ካብ 1-7 ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎን ልኡኻት ድምጾም ዝህቡሉ እዋንን እንተድኣ ተተሓሒዙ፡ ሃሪስ ንሕጹይነት ናይቲ ሰልፊ ብወግዒ ክተውሕስ እያ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኣመሪካ ክበጽሕ ምዃኑ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኲናት ቓዛ ደው ንኸብል ካብ እስራኤላውያንን ምምሕዳር ኣመሪካን ብዝመጾ ዘሎ ጸቕጢ ምዃኑ ይሕበር ኣሎ። ኣብ ዋሽንግተን ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕግርግር ነቲ ጉዕዞን መጻኢ ዝምድናን ብኸመይ ክቐርጾ እዩ ዝብል ሕቶታት እውን ኣለዓዒሉ’ሎ። ኔታንያሁ ፕረዚደንት ባይደን እንድሕሪ ካብ Covid-19 ሕማሙ ሒሽዎ ክራኸቡ፥ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ባይቶ መደረ ብምስማዕ ንራብዓይ ግዜኡ ከምኡ ዕድል ዝረኸበ እንኮ ናይ ወጻኢ መራሒ ክገብሮን ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ብኻልእ ሸነኸ ሩስያዊ መበቆል ዘለዋ ኣሜሪካዊት ጋዜጠኛ ኣልሱ ኩርማሸቫ ብዛዕባ ሰራዊት ሩስያ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘርጊሓ ብዝብል ክሲ ብቤት ፍርዲ ማእከላይ ከተማ ካዛን ንሽዱሽተ ዓመትን ፈረቓን ማእሰርቲ ተፈሪዳ። ኣሰናዳኢ ናይቲ ብኣሜሪካ ዝምወል ሬድዮ ፍሪ ኤውሮጳ/ሬድዮ ሊበርቲ (RFE/RL) ከምኡ’ውን ኣደ ክልተ ቆልዑ ዝኽዕነት ኰርማሸሻ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሩስያ ከም ወኪል ወጻኢ ሃገር ክትጽብጽብ ምዝገባ ብዘይምፍጻማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወት ገሊጹ።
ንሳ ዝሓለፈ ዓርቢ ከምዝተፈርደት ሰብመዚ እቲ ቤት ፍርዲ ገሊጾም ኣለዉ፡፡ ኣብታ መዓልቲ ብጻያ ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ ኢቫን ገርሽኮቪች ብስለያ ን16 ዓመታት ተፈሪዳ’ላ። ኩርማሸቫ ዝኾነ በደል ከምዘይተፈጸመት ናይ እምነት ክሕደት ቃላ ዝሃበት ኮይና፡ ፕረዚደንትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን RFE/RL ስቲቨን ካፑስ ድማ ንማዕከን ዜና ኤፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ፍርዲ “ንፍትሒ ኣላጋጭ እዩ” ክብል ገሊጹ’ሎ።