ሩስያ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብሙሉእ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ኣዝዩ ዝበዝሐ ቁጽሪ ሽወደናውያን ናብ ሰራዊት ክልኻል ሃገር ክጽንበሩ ውዕል ምፍጻሞም ተፈሊጡ። እንተኾነ ግና ካብቲ ወራር እተፈጸመሉ ንደሓር ብዙሓት መመልከቲኦም ክስሕቡ ተራእዮም ኣለዉ ።
“እንታይ ውዕል ምፍጻሞም ግቡእ ምርዳእ ዘለዎም ኣይመስሉን” ትብል ኣብ ስካራቦርግ ኣብ ዝርከብ ሓለዋ ውሽጢ ሃገር ኣተሓባባሪት ምልመላ ዮሃና ኒማን።