ካብ ዓሚ ኣትሒዙ ኣብ ዩኒቨርሲቲታትን ካልኦት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን፥ ካብቶም ብኣካል ኣብ ክፍልታት ዝምሃሩ ሽወደናውያን፥ ብ ርሕቀት ኮርሳት ምውሳድ ተቐባልነት ረኺቦም ምህላዎም ጋዜጣ “ዳገንስ ኒሄተር” ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ጸብጺባ። እቲ ዝንባለ ሎሚ ዓመት’ውን ቀጺሉ’ሎ። ብመሰረት ኣሃዛት ቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን (UHR)፡ ኣብዚ ቀውዒ ኣስታት 130,000 ተማሃሮ ብ ርሕቀት ኣብ ዝውሰድ ኮርሳት ቦታ ረኺቦም ኣለዉ፡፡ እዚ ድማ ምስ ኣስታት 110,000 ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ዝወሃብ ኮርሳት ክነጻጸር እንከሎ ዝበዝሐ እዩ።
“ብዛዕባ ጂኦግራፊ ምጭናቕ ኣየድሊን እዩ፣ ኣብ ሓንቲ ከተማ ክትነብርን ኣብ ፍጹም ዝተፈልየ ከተማ ክትመሃርን ትኽእለሉ ኲነታት ኣሎ” ክብል ሮቢን ጆሃንሰን፣ ሓላፊ ኣሃዱ ኣብ UHR ገሊጹ’ሎ