ብቕድሚ ትማል ሰንበት ምሸት ኣብ ጥቓ ሊላ ኤደት ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ፥ ካብ ዮተቦሪ ንሰሜን ርሒቑ ኣብ ዝርከብ E45 ሞተርዌይ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱዎ። በዚ ድማ ኣስታት 14 ኪሎ ሜተር ናይቲ ሞተር ዌይ ተዓጽዩ ኣሎ። ብምኽንያት እዚ ዕንወት ትራፊክ ናብ ሞተር ዌይ E6 ተቐይሩ ኣሎ። ኣብ ዶብ ሽወደንን ኖርወይን ዝውሰድ ዘሎ መጠን ስኑስ፡ ብጥረኡ ይኹን ኣብ ከረጺት ኒኮቲን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣዝዩ ከምዝወሰኸን እናወሰኸ ከምዝኸይድን ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢራ። ኣብ ጥቓ ዶብ ዝርከቡ ድኳናት እቲ ኲነታት ከምዘይገረሞም ይገልጹ። ኖርወጃውያን ካብ ሽወደን ብዶብ 125ግ ስኑስ ሒዞም ክመጹ ከም ዝፍቀደሎም ዝፍለጥ እዩ።
እዚ እናኾነ—ገለ ቦታታት በጻሕቲ ሽወደን ብድሆታት የጋጥሞም ከምዘሎ ተሓቢሩ። ካብ ልዕሊ ዓቐን ዝተጸቕጠ መፈልፈሊ ርስሓት፥ ቃፍላያት ኣንጻር ሕጊ ደው ምባል ወይ ምጉሓፍ ዝመስል ብድሆታት የጋጥመን ከምዘሎ፥ ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ መጽናዕቲ ይሕብር። ይኹን እምበር ምምሕዳራት ከተማ ቱሪዝም ክውሕድ ኣይደልያን እየን። ካርላ ኣጉየር ሞሪትዘን ኣብ ቦርድ በጻሕቲ ስካን፡ ቪዚት ስኮነ ምክትል ዋና ኣካያዲት ስራሕ እያ። ንሳ ንሬድዮ ሽወደናን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ንኽትበጽሖ ሰሓቢ ኮይኖም ንኽቕጽሉ ብዘላቕነትን ነዊሕ ግዜ ክሰርሑ ከምዘለዎም ትገልጽ