ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ እዋን ምሉእ ወራር ሩስያ 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክሬን ከምዝተቐትሉ ገሊጹ። ይዂንምበር እዚ ንወተሃደራዊ ውጥን ሩስያ ዝሕግዝ ስለዝኾነ፡ ቁጽሪ ናይቶም ዝቖሰሉ ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ’ሎ። ሰብመዚ ዩክሬን ኣሃዛት ጉድኣት ንህዝቢ ናይ ምግላጽ ባህሊ የብሎምን፡ እንተኾነ ግና እቲ ቊጽሪ ልዑል ምዃኑ ግምታት ኣሎ። ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፡ ፍርቂ ካብቲ ምዕራባውያን ንዩክሬን ክህብኦ እተመባጽዓኦ ሓገዝ ምድንጓዩ፡ እዚ ድማ ህይወትን መሬትን ክኽሰር ምኽንያት ይኸውን ምህላዉ ኣቐዲሙ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ዘለንስኪ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቊጽሪ ምውታት ወተህደራቱ ክገልጽ ዝተቐሰበ ነቲ ሩስያ ዝጠቐሰቶ ዝተጋነነ ኣሃዛት ንምምላስ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። “ኣብዚ ኲናት 31 ሽሕ ወተሃደራት ዩክሬን ጥራይ እዮም ተሰዊእዕም ዘለዉ፡ ከምቲ ፑቲን ዝብሎ ዘሎ 300 ሽሕ ወይ 150 ሽሕ ኣይኮነን። ይዂንምበር እዚ ንዩክሬይን ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና ኢሉ። ዘለንስኪ ኣብቲ ኲናት ዘጋጠመ ሰፊሕ ክሳራታት እንክግለጽ፥ ኣብቲ ብሩስያ ዝተታሕዘ ከባቢታት ዩክሬን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ምሟቶም እኳ እንተሓበረ እቲ ሓቀኛ ቁጽሮም ግን ኣይተፈልጠን። ክንደይ ከም ዝሞቱ፡ ክንደይ ከም ዝተቐትሉ፡ ክንደይ ከም ዝተቐትሉ፡ ከም ዝተሳቐዩ፡ ክንደይ ከም ዝተሰጉ ገና ብሒ ኢና ከነጣልል ይብል። ዩክሬን ቊጽሪ ዝሞቱ ወተሃደራታ ክትገልጽ ሕጂ መጀመርትኣ እዩ። ሰብመዚ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ወተሃደራት ዩክሬን 70 ሽሕ ክበጽሕ ከሎ ክሳብ 120 ሽሕ ድማ ከምዝቖሰሉ ገሊጾም ኔሮም እዮም። ብመንጽር ክሳራታት ሩስያ፡ ዘለንስኪ፡ 180 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ምቚሳሎም ይሕብር። ኣብ ወርሒ ለካቲት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ 350 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ከምዝሞቱ ወይ ከምዝቖሰሉ ገሚቱ ነይሩ እዩ።