መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ተፈቲሑ ምስ ኣሜሪካ ናይ ይቕሬታ ስምምዕ ድሕሪ ምውዕዓሉ ናብ ኣውስትራልያ የቕንዕ ኣሎ ተባሂሉ። 52 ዝዕድሜኡ ኣሳንጅ፡ ሕጊ ስለያ ኣመሪካ ብምጥሓስ ብዝቐረበሉ ክሲ፡ ብፍላይ ድማ ምስጢራዊ ሰነዳት ምክልኻል ሃገር ንምርካብን ንምግላጽን ውዲት ብምፍጻም ብዝብል ክሲ ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ’ሎ። ኣሳንጅ ን1901 መዓልታት ኣብኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ 24 ሰነ ካብ ልዑል ሃለዋ ጸጥታ ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ቤልማርሽ ተፈቲሑ’ሎ። ንሱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስታንስተድ ኣብ ነፋሪት ተሳፊሩ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ምብጋስ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ባንኮክ ደው ኢሉ ነዳዲ ንምምላእ ናብ መሬት ኣሜሪካ ፓስፊክ ሳይፓን ንቤት ፍርዲ ክብገስ ተራእዩ እዩ። ኣሳንጅ ንዕለት 26 ሰነ ሰዓት 9 ንግሆ (25 ሰነ 23፡00 GMT) ኣብ ሳይፓን ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ፡፡ ኣብኡ ድማ ን62 ኣዋርሕ ክቕጻዕ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ፡፡ እዚ ድማ ድሮ ዘሕለፎ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ድሕሪ እቲ መስርሕ ፍርዲ ናብ ኣውስትራልያ ክምለስ እዩ።
ዊኪሊክስ፡ ኣሳንጅ ነጻ’ዩ ከም እተባህለ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ገሊጹ’ሎ። ዊኪሊክስ ኣብ ዝዘርግጆ ቪድዮ፡ ኣሳንጅ ንቡር ክዳን ተኸዲኑ፡ ናብ ናብ ናይ ብሕቲ ጀቱ ክድይብ ኣርእዩ’ሎ። በዓልቲ ቤት ኣሳንጅ ስቴላ፡ “ጁልያን ሓራ ወጺኡ ዝብል ዜና ንምእማኑ ዘጸግም’ዩ። ኣዝየ እየ ተሓጒሰ’የ” ኢላ’ላ። ኣዲኡ ክርስቲን ኣሳንጅ እውን ወዳ ናጻ ውጽኡ እፎይታ ከም እተሰምዓ ድሕሪ ምግላጽ ብስቕታ ዝግበር ዲፕሎማሲ ኣብ ምፍታሑ ጽልዋ ከም ዘነበሮ ኣስሚራትሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ ብወገኑ “ሰባት ብዛዕባ ኣሳንጅን ንጥፈታቱን ዘለዎም ኣረኣእያ ብዘየገድስ፡ እቲ ጉዳይ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ተመጢጡ እዩ” ድሕሪ ምባል ብ ዜና ምፍታሕ ኣሳንጅ ከም እተሓጎሰ ገሊጹ’ሎ።