ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝተኻየደ ፍሹል ፈተነ ቅትለት ዝወዓለ ሞዴል ሓዊሱ ኮንግረስ ጠበንጃታት መጥቃዕቲ ክእግድ ዝገበሮ ጻውዒት ምሕዳሱ ይግለጽ ኣሎ። ትራምፕ ዝሃለፈ ሰንበት ኣብ ፐልሲልቫንያ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ እናካየደ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ብዝነበረ መንእሰይ ተተኲስዎ እዝኑ ብጥይት ከም እተሃርመ ዝፍለጥ እዩ ።
“ኣብ ተኹሲ ዶናልድ ትራምፕ ኤ.ኣር-15 ዝተባህለ ብረት እዩ ኣብ ጠቕሚ ውዒሉ። ንህጻናት ሓዊሱ ንብዙሓት ካልኦት ዝቐተለ ብረት እዚ እዩ። እዚ ክእገድ ኣለዎ” ክብል ባይደን ኣብ ላስ ቬጋስ ኣብ ዝተኻየደ ዓቢ ኣኼባ ንተዓዘብቲ ተዛሪቡ።
ድሕሪ እቲ ተኹሲ ንሓያሎ መዓልታት፡ ወፍሪ ባይደን ኣብ ዕረፍቲ ጸኒሑ። ናይ ቃላት መጥቃዕቲ ደው ኢሉ፡ ናይ ተለቪዥን መወዓውዒታት ተሰሒቡን ናይ ሓድነት መልእኽቲ ብብዙሓት ፍሉጣት ዲሞክራትስ ክድፍኣሉን ተራእዩ ነይሩ። ባይደን ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፖለቲካ ክሳብ ክንደይ “ተራሲኑ” ከምዘሎ ብምግላጽ፡ በቲ መስመር እዩ ቀጺሉ። ቀጺሉ ግን ንትራምፕ ኣብ ምሉእ ዋዕላ ሃገራዊ ማሕበር ምድንፋዕ ብዙህነት ዝተባህለ ጉጅለ ሲቪላዊ መሰላት ዝሃቦ መደረ ብትሪ ክነቕፎ ተራእዩ’ሎ።
“ፖለቲካ ብዛዕባ ፍልልያት ይዂንምበር ሓቂ ምዝራብ ከነቋርጽ ኣለና ማለት ኣይኮነን። መን ኢኻ፡ እንታይ ጌርካ፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ ብዘየገድስ ኣብ ፖለቲካ ዘሎ ጸወታ ፍትሓዊ እዩ። እንተኾነ ግና ትራምፕ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ ካዕቦ ሓሶት ይንስነስ ምህላዉ ዘሕዝን እዩ” ኢሉ።
“ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደን-ሃሪስ ሽቕለት ኣልቦነት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ክብረወሰን ዝሓዘ ትሑት ደረጃ በጺሑ እዩ” ክብል እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ ገሊጹ። መንግስቶም ኣብ 2023 ኣብ ክብረወሰን ትሑት መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ጸለምቲ ወይ ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ከምዝበጽሐ እዚ ድማ 4.8% ምንባሩ ስታቲስቲክስ የመልክት።
መሰል ምውናን ብረት ባይደን ብተደጋጋሚ ጎስጓስ ዘካየደሉ ጉዳይ እዩ። ኣብ 1994 እገዳ ኣጽዋር ኣብ ምሕላፍ ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎ እዩ እንተኾነ ግና እዚ ኣብ 2004 ግዜኡ ሃሊፍዎ እዩ። ኣብ እዋን መደረኡ ነቲ ሕጊ መወከሲ ገይሩ “ቅድሚ ሕጂ ገይረዮ እየ፡ ዳግማይ ድማ ክገብሮ እየ” ኢሉ’ሎ።
ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ኣብ ወርሒ ሕዳር እንተተመርጹ ኩሉ ሓድሽ ሕግታት ብረት ባይደን ከም ዘፍሽሎ ገሊጹ’ሎ፡ እዚ መርገጺ’ዚ ዋላ’ውን ድሕሪ’ቲ ብሰንበት ኣብ ልዕሊ ህይወቱ ዝተገብረ ፈተነ ክቕየር ዘይምዃኑ ምልክት ዘርኢ’ዩ።