ኣብ ጀርመን ዳግማይ ዕስክርና ምትእትታው ከቢድ ቁጠባዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእልን፡ ክሳብ 70 ቢልዮን ዩሮ ወጻኢ ክሓትት ከምዝኽእልን ብፌደራላዊ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ጀርመን ዝተኣዘዘ ኢንስቲትዩት ifo ዘካየዶ መጽናዕቲ ይሕብር። እቲ መጽናዕቲ፡ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ጽልዋ ወተሃደራዊ ምልመላ ንምግምጋም ሰለስተ ስናርዮታት ዳህሲሱ’ሎ። ኣብቲ ኣዝዩ ኩለመዳያዊ ስናርዮ፡ ምልመላ ንብምሉኡ ዕድመ (100%) ዝጸሉ፡ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኣታዊ ጀርመን ብ1.6% ክጎድል ዝገብር’ዩ፡፡ እዚ ድማ ምስ ዳርጋ 70 ቢልዮን ዩሮ ዝዳረግ እዩ። ምልመላ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሞዴል እንተተኸቲሉን ንኣስታት ርብዒ ናይቲ ዕድመ ጕጅለ ዝጸሉ እንተኾይኑ፡ እቲ ቁጠባዊ ውጽኢት ብ 0.4% ወይ 17 ቢልዮን ዩሮ ክጎድል ይኽእል እዩ። 5% ጥራይ ካብ ሓደ ዕድመ ዝእከቡሉ ስናርዮ 0.1% ምንካይ ወይ 3 ቢልዮን ዩሮ ከስዕብ እዩ—ተባሂሉ’ሎ።