እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ኖርወይ ሰሪዛ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ንተግባራት እስርኤል “ጽንፊ ዝሓዘ” ብምባል ድሕሪ ምዂናን ንህዝቢ ፍልስጤም ናይ ምሕጋዝ ዓቕሚ እታ ሃገር ክጸሉ ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፥ እስራኤል ካትዝ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኖርወይ ንሃገራዊትነት ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃባን ንመራሕቲ እስራኤል ኣብ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ (ICC) ዘምጽእ ጉዳይ ምድጋፋን ብምጥቃስ “እዚ ጒዳይ ዋጋ ከኽፍላ እዩ” ኢላ።
ኣምባሳደር ኖርወይ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከም እተጸውዐ፡ ኩሎም ኣብ ተልኣቪቭ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት ከኣ ድሕሪ 7 መዓልታት ዝተዋህቦም ኣፍልጦ ክስረዝ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ ቪዛኦም ክስረዝ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።
“እዚ ብቐንዱ ንህዝቢ ፍልስጤም ናይ ምሕጋዝ ዓቕምና ዝጸሉ ጽንፈኛ ተግባር’ዩ” ዝበለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ኤስፐን ባርት፡ እቲ ውሳነ ምስ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ዘለዋ ርክብ “ሳዕቤን” ከም ዝህልዎ ኣጠንቂቑ’ሎ።
ኣሜሪካ እቲ ስጉምቲ ኣፍራሲ ከምዝኾነን ኖርወይ ኣብ መንጎ እስራኤልን በዓል መዚ ፍልስጤምን ምትሕብባር ንምትብባዕ ንዝገበረቶ ጻዕሪ ከምዝዓንቀፈን ገሊጻ’ላ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ማቲው ሚለር ዝሓላፈ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኖርወይ ምስ መንግስቲ እስራኤልን በዓል መዚ ፍልስጤምን ኣብ ዝግበር ምትእስሳር ኣፍራዪ ተራ ናይ ምጽዋት ነዊሕ ታሪኽ ኣለዋ” ኢሉ።
“እዚ ተራ ንኸይጻወቱ ዝኽልክሉ ስጉምትታት ብፍላይ ሓጋዚ ኣይመስለናን” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ነቲ ስጉምቲ ዝኹንን መግለጺ ብምውጻእ ንኖርወይ “ምሉእ ደገፉ” ኣቕሪቡ’ሎ።