ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ፡ ኢራን ብባሊስቲክ ሚሳይል ዝገበረቶ ደብዳብ ኣመልኪቱ ብምኽንያት ዝሃቦ
ምላሽ እስራኤል ናብ ዓዳ ከይኣቱ ኣጊዳቶ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፥ እስራኤል ካትዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጉተረዝ
“ንኣሸበርቲ ደገፍ ዝህብ ጸረ እስራኤል ዝኾነ ዋና ጸሓፊ” ኢልዎ’ሎ። ኢራን ኣስታት 180 ሚሳይላት ናብ እስራኤል ድሕሪ
ምትኳሳ ጉተረሽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ “ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ክሳብ ክንድዚ
ምብልሑን” ከምዝኹንን “ደው ክብልን” ጸዊዑ እዩ።
ንሱ እቲ ዞባ “ምሉእ ደው ምባል ተኹሲ ከምዘድልዮ እኳ እንተገለጸ፡ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኢራን ግን ብፍሉይ ዝጠቐሶ ነገር የለን።
ምኽንያት ቊጥዐ እስራኤል ድማ እዚ’ዩ። ካትዝ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት “ፐርሶና ኖን
ግራታ”–ወይ ድማ ናብ ዓዳ ክይኣቱ ዝተኣገደ ሰብ ክትብል ኣዊጁ’ላ። ዝኾነ ሰብ “ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል እትገብሮ ዘላ ጽዩፍ
መጥቃዕቲ ብዘይጥርጥር ዘይኲንኖ እንድሕሪ ኮይኑ፡ ናብ መሬት እስራኤል እግሩ ክረግጽ ኣይግብኦን” ኢሉ’ሎ። ብፍላይ ንጉተረዝ
“ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ጸረ እስራኤል ዝኾነ ፖሊሲ እዩ ክኽተል ጸኒሑ” ክብል ነቒፍዎ’ሎ። እቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ብኢራን ዝተፈጸመ
መጥቃዕቲ፡ ዓሚ ብሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብምኽንያት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ
እዉጅ ውግእ ዘጠቓለለ መጥቃዕቲታት ስዒቡዎ’ሎ።