እስራኤል ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዘለዋ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዝምልከት ምኽክር ክትሳተፍ ብመትከል ተቐቢላ’ኳ እንተነበረት፡ እቲ ኣኼባ ብፍሉይ ንኹነታት ቓዛ ንምፍታሕ ክጽዋዕ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ዮሴፍ ቦረል ግን ከም ዝነጸገቶ ሓደ በዓል ስልጣን እስራኤል ንዩሮኒውስ ገሊጹ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ወግዓዊ መልሲ እስራኤል ፡ ዝኾነ ፍሉይ ኣጀንዳ ዘተ ይኹን እቲ ምኽክር መዓስ ከም ዝካየድ ገልጽ ግዜ ወይ ዕለት ዘመልክት ኣይኮነን። ቦረል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ንእስራኤል “ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ እዋን” ብምጽዋዕ “ኩነታት ቓዛ”ን እስራኤልን ብመሰረት እቲ ኣብ 2000 ዝተኸተመ ስምምዕ “ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት”ን ክዛተየሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕብረት ዘሎ ንግዳዊ ምትእስሳር መሰረት ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ብተወሳኺ እቲ ኣኼባ መንግስቲ ኔታንያሁ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን እስራኤል ኣብ ደቡባዊት ከተማ ራፋሕ ክትፍጽሞ ዝሓሰበቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ ዝኣዘዘ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ (ICJ) ዝሃቦ ውሳነ ምኽባር ምዃኑ ንምልዕል ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ብ5 ሰነ፡ ቦረል ነቲ ዕድመ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል እስራኤል ካትዝ ብወግዒ ኣቕሪቡሉ እዩ።