እስራኤል ብ ዲፕሎማስያዊ ድፍኢት ኣሜሪካ፣ ግብጽን ቀጠርን፣ ብዛዕባ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲን ምፍታሕ ጅሆን ናብ ሓድሽ ዙር ተላዘብቲ ክትሰድድ ተሰማሚዓ። ሰለስቲአን ሃገራት ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኣኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ልዝብ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን 15 ነሓሰ ኣብ ዶሃ ወይ ካይሮ ክካየድ ምዃኑ ሓቢረን ኣለዋ። ሓማስ ዛጊት ዝኾነ መልሲ ኣይሃበን ኣሎ። እቲ መግለጺ፡ “መድረኽ ስምምዕ” ድሉው ምዃኑን፡ “ክዛዘም ዝርዝር ኣተገባብራ ጥራይ ከምዝተረፎን” ገሊጹ’ሎ።
መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃንየህ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን ቴህራን ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ዞባዊ ወጥሪ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይከይድ ደው ንምባል ነዚ ልዝብ ይደፍኣሉ ምህላወን እዩ ዝግለጽ። ኢራን ንእስራኤል ብምውቃስ ነቲ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ክትህበሉ ምዃና ቃል ኣትያ’ላ። እስራኤል ብዛዕባ እቲ ቅትለት ብቐጥታ ርእይቶ እኳ እንተዘይሃበት፥ እቲ መግለጺ እስራኤልን ሓማስን “ንኹሎም ዝተረፉ ሃጓፋት ንምጽባብን ብዘይ ተወሳኺ ምድንጓይ ምትግባር እቲ ስምምዕ ንምጅማርን” ዳግማይ ዝርርብ ክጅምሩ ዓዲሙ’ሎ።
“ከም መንጎኛታት መጠን ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ እቶም ዝተረፉ ናይ ኣፈጻጽማ ጉዳያት ብትጽቢት ኩሎም ወገናት ብዘማልእ መንገዲ ዝፈትሕ ናይ መወዳእታ መራኸቢ ሓሳብ ከነቕርብ ድሉዋት ኢና” ኢሉ። እቲ መግለጺ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኤል ሲሲን ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒን ዝተኸተመ እዩ።
እቲ “ስምምዕ” ኣቐዲሙ ብፕረዚደንት ባይደን ብ31 ግንቦት ኣብ ዘንበሮ “መትከላት” ዝተመርኮሰ ምዃኑ፥ ብሙሉእ ተኹሲ ደው ምባልን ብርክት ዝበሉ ምሩኻት ምፍታሕን ዝጅምር’ዩ። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ማዕቀፍ እዚ ኣጽዲቕዎ’ሎ። ሓላፊት ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ቮን ደር ሌየን፡ ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብደላሎ ንምግባር ዝግበር ጻዕሪ “ብትሪ” ከም እትድግፎ ኣመልኪታ’ላ። ዋላ እኳ ብዙሕ ዙርያታት ዝርርብ እንተተኻየደ፡ ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲን ምፍታሕ ጅሆን ንምብጻሕ ዝነበረ ብድሆ ክሳብ ሕጂ ንምርካቡ ዘጸግም ምዃኑ ተረጋጊጹ። በዓል ስልጣን ሓማስ ኦሳማ ሓምዳን ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጉጅለ “ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል፡ ምሉእ ብምሉእ [ሰራዊት እስራኤል] ካብ ወሽመጥ ቓዛ ክወጽእን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ዝተኣስሩ እስራኤላውያን ጅሆታትን ፍልስጤማውያን እሱራትን ዘሳትፍ ናይ ምልውዋጥ ስምምዕን ይደፍእ ከምዘሎ” ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣቐዲሙ እቲ ግጭት ደው ክብል ዝኽእል ሓማስ ምስተሳዕረ ጥራይ እዩ ክብል ገሊጹ ነይሩ። ዝሓለፈ ሓሙስ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ደብዳባ ቀጺላ’ላ። ብሓማስ ዝመሓደር ሓይሊ ሲቪል ምክልኻል ቓዛ ኣብ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝሃረመ ልዕሊ 18 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ’ሎ። ካብ ኢራን ወይ መሻርኽታ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ኣብ ዝስግኣሉ ዘሎ እዋን፡ ካቢነ ጸጥታ እስራኤል ኣብ ክንዲ እቲ ልሙድ መአከቢ ቦታ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ድፋዕ ከምዝተራኸበ ቻነል 13 እስራኤል ብምጥቃስ ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ።