እስራኤል ናብ ደቡባዊ ሊባኖስ ክትፍጽሞ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረላ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ዝፍጸመሉ ሰዓት ዝቐረበ ይመስል ይበሃል
ኣሎ። ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት ሎሚ ኣብ ዶብ ምስ ሰራዊት ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን እዩ እስራኤል ናብ ሊባኖስ
ሰራዊታ ከተእቱ ከም እትኽእል ኣሚቱ ዘሎ። ስፍሓትን እዚ ስርሒት ግና ብንጹር ኣይተፈልጠን። እቲ ወራር ብኸፊልን፡ ኣብ
ዝተወሰኑ ከባቢታት ጥራይ ዝተሓጽረን ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓይልታት እስራኤል ናብ መሬት ሊባኖስ ንምድፋእ ክሳብ ክንደይ
መደብ ኣለውም ንባዕሉ ብንጹር ዝተፈልተ ነገር የለን። ብዘይካዚ ካብ ሕዝቦላህን ማሕበረሰብ ኦኣለምን ገዚፍ ተቓውሞን ብድሆን
ከጋጥሞም ተኽእሎ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መብዛሕትኡ መሪሕነት ሕዝቦላህ ክዓኑ እንከሎ፡ እቲ ብኢራን ዝድገፍ ምልሻ
ግን ክሳብ ሕጂ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኸቢድ ዕጥቂን ጽቡቕ ስልጠና ዝወሰዱ ሰራዊትን ከም ዘለዎ እዩ ዝግለጽ ክትብል ቢቢሲ ትማል
ጸብጺባ’ላ።