እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ተካይዶ ዘላ ምድራዊ ስርሒታት ንሽወደን ጽልዋኡ ከምዘሕድር ኣዛዚ ሰራዊት ሽወደን ከምኡውን ሓድሽ
ሓላፊ ምክልኻል እታ ሃገር ማይክል ክላሶን ገሊጹ። ብምኽንያት ስርሒት እስራኤል ክመጽእ ዝኽእል ሰብኣዊ ቅልውላው፥
ምዝባዕ ንግድን ስደትን ን ሽወደን ብኣሉታ ክጸልዋ ከምዝኽእል ክላሶን ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ሽወደን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ
ምዕባለታት ብቐረባ ትዕዘብን ብቐጻሊ ትግምግሞን ከምዘላ ሓላፊ ምክልኻል እታ ሃገር ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።
ብኻልእ ዜና ብውሑዱ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብትካል ስራሕ ኣቢሎም ከም ነጻ ኮንትራክተራት ተቖጺሮም ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት፥
ካብ ሎሚ ጀሚሮም ቀዋሚ ስራሕ ክወሃቦም እዩ። ብመሰረት ካብ 2022 ጀሚሩ ኣብ ዝጸንሐ ሓድሽ ሕጊ ሓለዋ ስራሕ፡ ሕጂ
ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ሕጊ እዩ። ብግዜያውነት ስራሕ ዝቖጽሩ ቢዝነሳት ሓደ ካብቶም ብዛዕባዚ ሓድሽ ሕጊ ሻቕላ ኣሕዲሮም
ዝዘለዉ ዓውድታት እዮም። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ስራሕ ዩኒክ ሪሱርስ ፒተር ኡንደን፡ ነቶም ብመንገዲ ቢዝነሱ ውዕል ዝኣተዉ
ሰባት እዚ ሕጊ ዘይምርግጋእ ስራሕ ክውስኽ ይኽእል እዩ ክብል ሻቕላኡ ገሊጹ’ሎ።