ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተጨውዩ ተወሳኺ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ከምዘረጋገጸ ገሊጹ። እቶም ኣርባዕተ
ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ካን ዩኒስ እስራኤል ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ብሓባር እንከለዉ ከምዝተቐትሉ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ሬሳታቶም
ክሳብ ሕጂ በቶም ዕጡቓት ከምዝተታሕዘ ይገልጽ። እቶም ሰባት፡ ወዲ 51 ዓመት እንግሊዛዊ-እስራኤላዊ ናዳቭ ፖፕልዌል፡ ወዲ
79 ዓመት ቻይም ፐሪ፡ ወዲ 80 ዓመት ዮራም ሜትዝገርን ወዲ 85 ዓመት ኣሚራም ኩፐርን ተባሂሎም ተሰይሞም። ወሃቢ ቃል
ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ሪየር ኣድሚራል ዳኒኤል ሃጋሪ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዝተኣከበ ስለያዊ ሓበሬታ ነቲ ገምጋም ከም
ዝመርሖ ገሊጹ።
"እቶም ኣርባዕተ ኣብ ከባቢ ካን ዩኒስ ብሓባር ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብኡ ኣንጻር ሓማስ ኣብ ዝገበርናዮ ስርሒት ከምዝተቐትሉ
ንገምግም" ክብል ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ከይሃበ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓማስ ናዳቭ ፖፕለዌል ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ
ዘካየዶ ኣድማ እስራኤል ከምዝሞተ ገሊጹ ነይሩ። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ይምርምር ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፡
ክሳብ ሕጂ ግን ሞቱ ዘረጋግጽ መረጋገጺ የለን። ሓማስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ነቶም ካልኦት ሰለስተ ሰባት ዘርኢ ቪድዮ ኣውጺኡ
ነይሩ። እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዘካየዶ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ጋዛ ወተሃደራዊ ወፍሪ
ከምዝጀመረትን ኣብቲ እዋን ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ከምዝተታሕዙን ሰብመዚ እስራኤል
ገሊጾም። ሓማስ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓደ ሰሙን ዕርቂ 105 ሰላማውያን ሰባት ፈቲሑ። ኣስታት 120 ጅሆ
ዝተታሕዙ ሰባት ገና ጸብጻብ ከምዘይተዋህቦም ይፍለጥ። ሰበስልጣን እስራኤል ብዙሓት ሞይቶም ይግመቱ ከምዘለዉ ገሊጾም።
እስራኤል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ነቲ ጉጅለ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ንምምላስ ኣብ ጋዛ ሓማስ ንምጥፋእ ወተሃደራዊ ወፍሪ
ጀሚራ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ጋዛ ብውሕዱ 36,470 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።