ኢራን ነታ ትማሊ ረቡዕ ንመራሒ ሓማስ ንምቕታል ተሓታቲት እያ ዝበለታ እስራኤል “ተሪር መቕጻዕቲ” ክትህባ’ያ ምዃና ኣፈራሪሓ። እስራኤል ብዛዕባ’ቲ ትማሊ ረቡዕ ኣጋ ምሸት ኣብ ቴህራን ንእስማዒል ሃኒየ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ብቐጥታ ርእይቶ ኣይሃበትን።
ይኹን’ምበር ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሃገሩ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ንጸላእታ “ከቢድ ጽፍዒት” ከምዘውረደት ዝገለጸ ኮይኑ፡ ቅድሚ መጥቃዕቲ ቴህራን ንሰዓታት ኣብ ሊባኖስ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሂዝቦላህ ምቕታሉ ተኣሚኑ’ሎ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት መሊሱ ከይባላሕ ስግኣት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ንእስራኤላውያን “በዳሂ መዓልታት ይጽበዮም ኣሎ” ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።
ቅድሚ 23 ዓመታት ካብቶም ብ11 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ውዲት ኣሊሞም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ሰባት ሰለስተ ቅድሚ ፍርዳዊ ስምምዕ ከምዝኣተዉ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ይሕብር። ካሊድ ሸኽ መሓመድ፡ ወሊድ መሓመድ ሳልሕ ሙባረክ ቢን ኣታሽ፡ ሙስጠፋ ኣሕመድ ኣደም ኣልሓውሳዊ፡ ኣብ ኩባ ጓንታናሞ ቤይ ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንዓመታት ናብ ፍርዲ ከይከዱ ተታሒዞም ጸኒሖም ኣለዉ። ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ ክሳብ ሕጂ ኣይተገልጸን፡፡ እንተኾነ ግን ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፡ እቶም ሰባት ገበኖም ክእመኑ ምዃኖም፡ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ሞት ፍርዲ ንኸይሓትት ኣብ ስምምዕ ክቕጽዑ ምዃኖም ይገልጻ።
ኣብ 2001 ኣብ ከተማታት ኒውዮርክ፡ ቨርጂንያን ፔንስልቨንያን ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣስታት 3000 ሰባት ምሟቶም፥ እዚ ድማ “ኲናት ኣንጻር ግብረሽበራ” ን ወራራት ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ምብጋሱ ዝፍለጥ እዩ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋዕላ ጸለምቲ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተኻየደ ርሱን ክትዕ ዓሌታዊ መንነት ካማላ ሃሪስ ኣብ ሕቶ ኣእትዩ። ትራምፕ፡ እታ ምክትል ፕረዚደንትን ሕጽይቲ ዲሞክራት ክትከውን እትግመት ሃሪስ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ “ጸላም ክይና ክትረ ምድላያ” ኤስያዊ-ኣመሪካዊ ውርሻኣ ኣጒሊሓ ከምዝትይፈልጥ ገሊጹ። ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራዊ ማሕበር ጸለምቲ ጋዜጠኛታት “ሕጅ’ያ ጸላም ተባሂላ ክትፍለጥ ትደሊ ኣላ” ኢሉ።
“እዛ ሰብ ህንዳዊት ድያ ወይስ ጸላም ዝፈልጦ የብለይን?” ኢሉ። ሃሪስ፡ ዘረባ ትራምፕ “ንቡር ዓሌትነትን ዘይምኽባርን” ምዃኑ ገሊጻ።
ንሳ ኣብ ሂዩስተን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይቲ ብታሪኽ ጸሊም ዝኾነ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሲግማ ጋማ ሮ “ፍልልያትና ሃብትና እዩ። እዚ ከረሓሕቐና ዝይገብር መራሒ ይግበኣና እዩ” ኢላ። ሃሪስ ካብ ጸለምትን ኤስያውያን ኣሜሪካውያንን ዝተወልደት ቀዳመይቲ ምክትል ፕረዚደንት ኮይና፡ ካብ ህንዳውያንን ጃማይካውያንን ዝመጹ ወለዲ ኣለዋ። ኣብቲ ብታሪኽ ናይ ጸለምቲ ዝኾነ ሃዋርድ ዩኒቨርሲቲ እያ ከም እተማህረትን ፡ ኣብቲ ብብዝሒ ጸለምቲ ዝነብሩሉ ኣልፋ ካፓ ኣልፋ ማሕበር ኣዋልድ ምእታዋ ቢቢሲነውዝ ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ ።